Living in Switzerland – Information and counselling online  

ትምህርቲ

ትምህርትን ምምሃርን ሓድሽ ነገር ንምርካብ ዚግበር ጻዕርን ንመንእሰያት ጥራይ ብፍሉይ እተሓጽረ ሓለፋ ኣይኮነን። ትምርቲ ምምሃር ንጡፍ ከም ትኸውን ይገብር። ብካልእ መዳይ ደማ ትምህርቲ ሓጎስ የምጽእ (Lernen hält fit und macht Spass) ።

ቀጻሊ ትምህርቲ ኣብ ፕሮ ሰነክትዩት  

ፕሮ ሰነክትዩት ዜቕርቦ ዕድል ጠቓሚ እዩ። ፕሮ ሰነክትዩት፡  ንጥሮታ ኪወጹ ዚዳለዉ ወይ ምህዞኣዊ  ክእለቶም ንምምዕባል ወይ ናይ ምዝካር ክእለቶም ንምስልጣን ዚደልዩ ሰባት፡ ናይ ቋንቋ፡ ኮምፒተር፡ ኢንተርነት፡ ወይ ናይ ማልቲ መድያ ትምርቲ ዜጠቓለለ ስልጠና ይህብ እዩ። ከምኡ ኸኣ ጉጅለታት ትያትር፡ ደርፊ፡ ሙዚቃ ወይ ከኣ ናይ ካርታ ጸወታ ይውድብ።

ዝሸምገሉ ሰባት ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ

ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ሰመስተር እዋን፡ ናይ ሽማግለታት ዩኒቨርሲቲ፡ ካብ እትፈላለየ ዓውደ ትምህርቲ ናይ ኣብ ከባቢ ዝርከባ ዩኒቪርሲታት መምህራን በብዓይነቱ ኮንፈረንሳትን ሰሚናራትን ዕድላት ይወሃብ።



ንምቕባል ዜኽእል ቅድመ ኩነት ካብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ናብ ካልእ ዩኒቨርሲቲ ኪፈላለ ይኽእል እዩ። ብሓፈሻኡ፡ ተሳተፍቲ ደቂ 60 ዓመት ኪኾኑ ወይ ከኣ ጥሮታ ዝወጹ ኪኾኑ ኣለዎም። መንእሰይ መጻምዲ እንተ ኾነውን ተቐባልነት ይረክብ እዩ። ኣባላት ንናይ ትምህርቲ ዓመት ገንዘብ ኪኸፍሉ ይግበኦም፡ ቀዳምነትውን ይወሃቦም። ሓደ ኮንፈረንስ እንተ ዘይመሊኡ፡ ኣባላት ዘይኮኑ፡ ንመእተዊ ዚሕተት ገንዘብ እናኸፈሉ ኪሳተፉ ይኽእሉ እዮም። 

ካልእ ዕድላት ድለ

ንትምርቲ ዝምከት ዝያዳ ሓበሬታ  ንምርካብ፡ ንመርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ውድባት ሽማግለታት ወይ ከኣ ንትነብረሉ ኮምዩን ተወከስ።

Related links: