Living in Switzerland – Information and counselling online  

መስርሕ ሕቶ ዑቕባ

ሓደ ሰብ ካብ መስጎግቲ ፈሪሑ ኣብ ስዊዘርላንድ ንኽዕቆብ ሕቶ ዑቕባ ኬቕርብ ምስ ዝደሊ፡ ኣብቲ ብፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት ስዊዘርላንድ (ODM) ዝእለ መመዝገቢ ማእከላት (ባዝል፡ኪያሶ፡ክሩዝሊንገን ወይ ቫሎርብ) ሕቶኡ ኬቕርብ ይኽእል።

ደረጃታት መስርሕ ሕቶ ዑቕባ

  • ሕቶ ዑቕባ ምቕራብ
  • ቃለ መሕትት
  • መስርሕን ውሳኔን
  • ይግባይ ናይ ምባል ተኽእሎ
  • ዑቕባ፡ ምምላስ ወይ ምጥራዝ

ኣብ ትሕቲ፡ ስዊዛዊ ውድብ ንሓገዝ ስደተኛታት (OSAR) ዝተጠርነፋ ጉጅለታት ገበርቲ ሰናይ፡ ኣብ ግዜ ቃለ መሕትት ናይ ሓደ ሓታቲ ዑቕባ፡ ነቲ መስርሕ ከመይ ከም ዝካየድ ንምዕዛብ ወኪል ወይ ወኪላት ይልእካ እየን። ምስ ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ኣብ ጉዳይ ስደተኛ ኣማእኪለን ዝነጥፋ ውድባትን ወለንታውያን ን ብምትሕብባር፡ ኣብ ሕጊ ዘተኮረ ምኽሪ ዝህባ ቤት ጽሕፈታት፡ ፕሮግራማት ዕዮ፡ ኣብ ስደተኛ ንምውህሃድ ዝወጽእ ፕሮጀክታት ወይ ውጥናት ይመርሓ።

ኣብዚ ዓምዲ: ሕቶ ዑቕባ ምቕራብ, ውሳነ, ሕቶ ይግባይ ምቕራብ, ህጹጽ ሓገዝ, ቃለ-መሕትት

Related links: