Living in Switzerland – Information and counselling online  

ስራሕ

ኣብ መዳይ ዑቕባ ስራሕ ናይ ምስራሕ ትኽእሎ ምስቲ ሓደ ሰብ ዝሕዞ ዓይነት ወረቐት ዝተሓሓዝ እዩ።

ሓተቲ ዑቕባ

ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ምቕማጥ ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ክሳብ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሹዱሽተ ኣዋርሕ ዘሎ እዋን ኣብ ስራሕ ክዋፈሩ ኣይፍቀድን እዩ። ብተወሳኺ ኣብቲ ሰራሕተኛታት ዝተሳእንሉ መዳያት ስራሕ ከም ኣብ ኢንዱስትሪ ሆተል፡ ህንጻ፡ ሕክምናዊ ክንክን (ኣብ ገዛን ሆስፒታላት) ወይ ድማ ሕርሻ ዝኣመሰሉ ጥራይ እዮም ኪሰርሑ ዝፍቀደሎም። ፍቓድ ስራሕ ኪወሃብ ዝኽእል እንተድኣ ሓደ ስዊዛዊ እንተ ዘይኮነ ድማ ሓደ ወረቐት B ወይ C ዘሎ ወጻእተኛ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ነቲ ስራሕ እንተ ዘይሓቲትሉ ጥራይ እዩ። ምፍራም ውዕል ሞያ ትምህርቲ (Apprentissage) ተመሳሳሊ መስርሕ እዩ ዝኽተል።

ስደተኛታት

ስደተኛታት ኣብ ኩሉ መዳያት ዓይነት ስራሕ ንኽሰርሑ ይፍቀደሎም እዩ። ነዚ ንምግባር ፍቓድ ምሕታት የድልዮም።

ግዝያዊ ፍቓድ ዝተዋህቡ

ካንቶናት፡ ግዝያዊ ፍቓድ ዝረኸቡ ሰባት ኣብ ደሞዝ ክኽፈልሉ ዝኽእሉ ስራሕ ንኽዋፈሩ ዘፍቅድ ናጽነት ኣለወን።

ብኣንጻሩ፡ ናይ ካንቶን ሓፈሻዊ ቁጠባዊ ረብሓ ዘይሃሲ እንተ ኾይኑን ናይ ገዛእ ርእሱ እኹል ገንዘብን ነቲ ዝተዋፈረሉ ስራሕ ንምእላይ ዜድሊ ብቕዓት ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ስራሕ ተቖጺሩ ክሰርሕ ፍቓድ ኪረክብ ይኽእል እዩ።

ግብርን ምውጻእ ንማሕበራዊ ኢንሹራንስን

ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ ሓተቲ ዑቕባ ከምቲ ኩሉ ኣታዊ ዘለዎ ሰራሕተኛ ዝኸፍሎ ንሳቶምውን ንግብሪን ንማሕበራዊ ኢንሹራንስ ከም ናይ እርጋንን ስንክልናን ናይ ኢንሹራንስ መድልዎ ስራሕን ይኸፍሉ እዮም። ናብቲ ዝተሓገዝሉ ናይ ማሕበራዊ ሓገዝውን ገንዘብ ክመልሱ ይግደዱ እዮም።

ሓተቲ ዑቕባ ዝኸፍልዎ ፍሉይ ግብሪ

ንሓፈሻዊ ወጻኢታት መስርሕ ዑቕባ፡ ማሕበራዊ ሓገዝ፡ ካብ ስዊዘርላንድ ምጥራዝ ንምሽፋን፡ ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ ሓተቲ ዑቕባን ግዝያዊ ፍቓድ ዝረኸቡን ካብ እቶቶም 10% ኣብ ናይ ኮንፈደረሽን ዕጹው ሕሳብ እንተ በዝሐ ካብ ሰለስት ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ዝቕጽል ግብሪ ክኸፍሉ ይግደዱ።

እቲ ግብሪ ብኣስራሒ እዩ ብቐጥራ ናብቲ ሕሳብ ዝኣቱ። ምኽፋል ዝጅምር እቲ ፍቓድ ስራሕ ካብ ዝተዋህበሉ እዋን ኣትሒዙ እዩ።

ኣብዚ ዓምዲ: ስራሕ , መንበሪ, መንበሪ ፍቓድ , ምጥርናፍ ስድራ ቤት, መርዓ , ትምህርትን ስልጠናን , ጥዕና

Related links: