Living in Switzerland – Information and counselling online  

ትምህርትን ስልጠናን

ግዴታዊ ትምህርቲ

ናይ ስዊዘርላንድ ቅዋም፡ ቆልዑ ደቂ ሓተቲ ዑቕባ ትምህርቲ ኪከታተሉ መሰል የውሕሰሎም (ናይ ትሸዓተ ዓመት ትምህርቲ ) እዩ። እቶም ቆልዑ ንግዜኡ ጥራይ ኣብ ሓደ ኮምዩን ወይ ገማይንደ ይቕመጡ እንተ ኣለዉ ትምህርቲ ንኽከታተሉ ኣይግደዱን እዮም።
ደቂ ተሓገዝቲ ናይ ህጹጽ ሓገዝ፡ ማለት ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገ ወይ ድማ ሕቶ ዑቕባኦም ከይረኣ ዝተውሰነ፡ ትምህርቲ ኪከታተሉ ይፍቀደሎም እዩ።

ድሕረ ግዴታዊ ትምህርቲ

ድሕሪ ግዴታዊ ትምህርቲ ምክታትል፡ ሓተቲ ዑቕባ ዝሕተትዎ ነገራት እንተኣማሊኦም ዝደለዩዎ ቤት ትምህርትን ስልጠናን ንምእታው ይፍቀደሎም እዩ።

ኣስተውዕሉ

ናይ ስደተኛ ኣፍልጦ ዝረኸቡ ስደተኛታት ጥራይ እዮም ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ስዊዘርላንድ ምንባር ንኽመሃሩ ገንዘብ ዝፍቀደሎም። ሓተቲ ዑቕባን ግዝያዊ ፍቓድ ወረቐት ዝረኸቡን ንኽመሃሩ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣይረኽቡን እዮም።

ሞያዊ ትምርቲ

ሓተቲ ዑቕባን ግዝያዊ ፍቓድ ዝረኸቡን ሰባት፡ ናይ ሞያ ትምህርቲ ውዕል ንፍምጻም፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ስራሕ ዓለም ዘሎ ቀይድታት ዝተኣስሩ እዮም።

ስደተኛታት፡ ማዕረ ሓደ ስዊዛዊ ወይ ኣብ ስዊዘርላንድ ህይወቱ ዝመስረተ ወዲ ወጻኢ ሃገር መሰላት ኣለዎም።

ንሓተቲ ዑቕባ ዝግበር ፍሉይ ሓገዝ

ሓደ ሓድ ካንቶናት ንመንእስያት ሓተቲ ዑቕባ ብመሰረት ዝወጸ መዓልታዊ ፕሮግራማት ስልጠናታት ናይ መሃብ መደብ ይሰርዓ እየን። እዚ ድማ ነቶም መንእሰያት ኣብ እተፈላለየ ጨናፍር ግብራዊ ዝኾነ መሰረታዊ ስልጠና ኪቐስሙ ይሕግዞም።

ኣብ ናይ ስደተኛታት ንቑጣታትን ኮምዩንን (ገማይንደ ) ወይ ድማ ቤተ ክርስትያናት ንስደተኛታት ናጻ ናይ ቋንቋ ትምህርት ብወለንተኛታት ይወሃብ እዩ። እዚ ትምህርታት እዚ ነቶም ናይ ስደተኛ ወረቐት ዝረኸቡ እዩ ዝኽፈለሎም።

ኣብዚ ዓምዲ: ስራሕ , መንበሪ, መንበሪ ፍቓድ , ምጥርናፍ ስድራ ቤት, መርዓ , ትምህርትን ስልጠናን , ጥዕና

Related links: