Living in Switzerland – Information and counselling online  

ምጥርናፍ ስድራ ቤት

ተኽእሎታት ምጥርናፍ ስድራ ቤታት ምስቲ እንሕዞ ዓይነት ፍቓድ ወረቐት ዝተኣሳሰር እዩ።

ሓተቲ ዑቕባ

ሓተቲ ዑቕባ ጉዳዮም እናተራእየ ከሎ ስድራኦም ናብ ስዊዘርላንድ ንኸእትዉ ፍቓድ ምጥርናፍ ስድራ ቤት ኣይወሃቦምን እዩ። ካብ መቕርቦም ድሒሩ እንተ ስዒብዎም ንገዛእ ርእሱ ንሱውን ዑቕባ ኪሓትት ይግበኦ።

ናይ ስደተኛ ተፈላጥነት ዝረኸቡ

ተቐባልነት ዝረኸቡ ስደተኛታት ወረቐት ፍቓድ B ወይ C ዝሓዙ ዋላ ስድራኦም ንምምጋብ እኹል ዝኾነ ኣታዊ ኣይሃልዎም ንመጻምዶምን ንትሕቲ ዕድመ ደቆምን ኬምጽኡ ይፍቀደሎም እዩ። ነዚ ንምስላጥ ናብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ናይቲ ዝነብርሉ ካንቶን ሕቶ ኬቕርቡ ይግባእ።

ግዝያዊ ፍቓድ ዝረኸቡ ሰባት

ወረቐት ፍቓድ F ዝሓዙ ሰባት ሰለስተ፡ ዓመት ድሕሪ ምጽባይ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ናይቲ ዝቕመጥሉ ካንቶን ሕቶ ምጥርናፍ ስድራ ቤታት ኪሓቱ ይኽእሉ።

ሓተቲ ኬማልዎ ዝግበኦም፡ እቶም ኣባላት ስድራ ቤት ህይወቶም ብሓባር ዝመርሑ ኪኾኑ፤ ነታ ስድራ ቤት ዝኾውን ገዛ ምርካብ፤ እታ ብቑጽሪ እናወሰኸት እትኸይድ ስድራ ተጸባይት ሓግዝ ከም ዘይትኸውን ምርግጋጽ።

ኣብዚ ዓምዲ: ስራሕ , መንበሪ, መንበሪ ፍቓድ , ምጥርናፍ ስድራ ቤት, መርዓ , ትምህርትን ስልጠናን , ጥዕና

Related links: