Living in Switzerland – Information and counselling online  

መንበሪ ፍቓድ

ሓደ ኣብ ስዊዘርላንድ ብሕጋዊ መገዲ ዝነብር ወዲ ወጻኢ ዜጋ፡ መንብሪ ፍቓድ ናይ ወጻእተኛ ይሕዝ። ዕላማ ወይ ምኽንያት ናይ መንበሪም ነቲ ዝወሃቦም ዓይነት መንበሪ ፍቓድ ይውስኖ።


ሓተትቲ ዑቕባ ክሳብ ንውሓት ግዜ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝቕመጥሉ ዘብቅዕ N ወረቐት ፍቓድ ይሕዙ። መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ድሕሪ ምውዳኡ ሕጋውነት ናይቲ ወረቐት ፍቓድ ይጠፍእ-ዋላ ዝወድቀሉ ግዜ እንተ ዘይኣኸለ። ካብ ሰለስት ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ዝጸንሕ ኣብ ስራሕ ንኸይዋፈር ዝእግድ ሕጊውን ኣሎ። ምጥርናፍ ስድራ ቤታት ምግባር ኣይከኣልን እዩ።

ወረቐት B (B permit) ዘለዎ መሰል ስራሕ ይፍቀዶ ወይ ከኣ ክምርዖ (ምስ ሓደ ስዊዛዊ ዜጋ) ይኽእል። እቲ ወረቐት መንበሪ ኣብ ዓዓመት ብካንቶን ክሕደስ ይግባእ። ወረቐት ንምንዋሕ ዝቐርብ ሕቶ ኪንጸግ ይከኣል እዩ (ንኣብነት ኣብ ግዜ ካብ ስራሕ ምውጻእ)። ምጥርናፍ ስድራ ቤታት ዝፍቀድ ሓታቲ እኹል ዝኾነ ኣታውን ግፍሕ ዝበለ ገዛ ምስ ዝህልዎ ጥራይ እዩ።

ብወግዒ ዝተፈልጡ ስደጥኛታትውን ወረቐት ፍቓድ B እዮም ዝወሃቡ። ይኹን እምበር ብመንጽር ኣተሓዳድሳ ወረቐት ፍቓድ፡ ስራሕ፡ ንምውህሃድ ዝወሃብ ሓገዝ ክረኣ እንከሎ ካብቶም ካልኦት ይፍለዩ እዮም። ስድራ ቤታዊ ምጥርናፍ ይፍቐደሎም እዩ። ብተወሳኺ ብመሰረት ስምምዕ ጀንቫ ናይ ስደተኛ ፓስፖርት ክወሃቡ ይኽእሉ። ወረቐት ፍቓድ B ሒዞም ናብ ሃገሮም ዝኣትዉ ስደተኛታት ከም ስደተኛታት ዝረኣይሉ መሰልን ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ምንባር ሕጋዊ መሰሎምን ኬጥፍኡ ይኽእሉ እዮም።

ንሓያለ ዓመታት መንበሪ ፍቓድ B ሒዞም ኣብ ስዊዘርላንድ ክቕመጡ ዝጸንሑ ሰባት ወረቐት ፍቓድ C ይወሃቦም። እዚ ማለት ድማ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ምንባርን ምጥርናፍ ስድራ ቤታት ይኽእለና። ብመንጽር መሰል ስራሕ ኪረኣ እንከሎ፡ ሓደ ወረቐት ፍቓድ C ዘለዎ ውልቀ ሰብ፡ ዳርጋ ልክዕ ከም ሓደ ስዊዛዊ ዜጋ ዕድል ስራሕ ኣለዎ። ተፈላጥነት ዝረኸቡ ስደተኛታት ካብቲ ስዊዘርላንድ ዝኣተውሉ ሓሙሽተ ዓመት ጸኒሖም ወረቐት ፍቓድ C።

ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቡ ሰባት፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ዘይክእሉ ኮይኖም ዝሕዝዎ ዓይነት ወረቐት ፍቓድ F እዩ። እዚ ወረቐት ፍቓድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝሕደስ ናይ ሓደ ዓመት ኣገልግሎት ዘለዎ እዩ። እታ ዝነብሩላ ካንቶን ፍቓድ ስራሕ ትህቦም እያ። ይኹን እምበር በዚ ዓይነት ወረቐት ፍቓድ ምጥርናፍ ስድራ ቤታት ምግባር፡ ድሕሪ እቲ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ምርካብ እንተወሓደ ሰለስተ ዓመት ምጽባይ የድሊ (ንሱውን ምስ ቅድመ ኩነቱ እዩ)። ብውሑድ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ስዊዘርላንድ ምስ ተቐመጡ፡ ካንቶን ወረቐቶም ካብ F ናብ B ንኽቕይረሎም ሕቶ ኬቕርቡ ይኽእሉ እዮም።

ኣብዚ ዓምዲ: ስራሕ , መንበሪ, መንበሪ ፍቓድ , ምጥርናፍ ስድራ ቤት, መርዓ , ትምህርትን ስልጠናን , ጥዕና

Related links: