Living in Switzerland – Information and counselling online  

መንበሪ

ኩነታት መንበሪ ናይ ሓደ ሰብ ኣብ ሒዝዎ ዘሎ ዓይነት መንበሪ ፍቓድ እዩ ዝምርኰስ።

ኣብ ግዜ ሕቶ ዑቕባ ዝሓተሉ ዘሎ እዋን

መንበሪ ገዛ ዝወሃበኩም ኣብቲ ኢድኩም ዝሃብኩምሉ መመዝገቢ ንቑጣ እዩ። ሕቶኹም ንኽረኣ ግዜ ምስ ዝወስድ ናብ ሓንቲ ካብ ካንቶናት ስዊዘርላንድ ትምደቡ። ሕቶ ዑቕባኹም ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ እንተ ኣቕሪብኩም ካብቲ ቦታ ትራንዚት ከይለቐቕኩም ኣብቲ ቦታ ክትነብሩ ትጅምሩ።

ሕቶ ዑቕባ ኣብ ዝምርመረሉ እዋን

ብሓፈሻ ሓተቲ ዑቕባ ብጥርኑፍ ኣብ ሓባራዊ ዝኾነ መንበሪ እዮም ዝነብሩ። ኣብቲ ናይ ሓባር መንበሪ ብዙሕ ግዜ ዘሕለፉ፡ ኣታዊ ዘምጽእ ስራሕ ዝሰርሑ ወይ ስድራ ቤት ዘለዎ ወልቀ ሰባት ሓደ ሓደ እዋን ኣፓርታማ ናይ በይኖም ክሕዙ ይኽእሉ እዮም።

ድሕሪ ሕቶ ዑቕባ ንዘይምርኣይ ውሳነ

ሕቶ ዑቕባኦም ንኸይረኣ ዝተወሰነ ሰባት ካብቲ ኢዶም ዝሃብሉ ቦታ ናብ ሓንቲ ካብ ካንቶናት እዛ ሃገር ኣይምደቡን እዮም። ጉዳይ ሕቶ ዑቕባኦም ምስ ኣብቀዐ፡ ነቲ ኢዶም ዝሃብሉ ንቑጣን ስዊዘርላንድን ገዲፎመን ኪወጹ ኣለዎም። ካብ ስዊዘርላንድ ንኽወጹ ተኽእሎታት ዘይብሎም እንተ ኾይኖም፡ ኣብ ሓደ ናይ ህጹጽ ሓገዝ ዝህብ ገዛ ከይዶም ጸግዒ ንምርካብ ሕቶ ኬቕርቡ ይኽእሉ እዮም።

ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገ ሰባት ካብ ዝነብርሉ ንቑጣታት ወይ ኣፓርታ ኣብቲ ንሃገር ክለቁ ዝተዋህበ ናይ ግዜ ገደብ ውሽጢ ክወጹ ይግባእ። ካብ ስዊዘርላንድ ኪወጹ ዘይክእሉ እንተ ኾይኖም ናብ ማእከላት ናይ ህጹጽ ሓገዝ ዝህባ ክጽንበሩ ይኽእሉ።

ስደተኛታት ምዃኖም ኣፍልጦ ዝረኸቡ

ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝረኸቡ ስደተኛታት ብግሎም ኣፓርታማ ክሕዙ መሰል ኣለዎ።

መንበሪ ቦታ

ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሓደ ካንቶን ይምደቡ ኣብኡ ከኣ ይጸንሑ። ኣቐዲሙ ኣብ ዝነብረሉ ካንቶን ንግዜኡ ንኽቕመጥ ይፍቀድ እዩ። ናይ ግዝያዊ ፍቓድ ዝረኸቡ ሰባት ኣብ ውሽጢ እታ ዝነብሩላ ካንቶን ክነብርሉ ዝደልዩ ኮምዩን ንኽመርጹ መሰል ኣለዎም። ኩሉ ኣባላት ስድራ ብሓባር ኪነብረሉ ንዝኽእል እንተ ዘይኮይኑ ብኻልእ ምኽንያት ካንቶን ናይ ምቕያር መሰል የሎን። ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት እዩ ብዛዕባ ምቕያር ካንቶን ዝምልከት ውሳነ ዝህብ።

ተፈላጥነት ዝረኸቡ ስደተኛታት ብመጀመርያ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት B ኪሕዙ ኣለዎም። እቲ ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ኣብቲ ክሳብ መልሲ ናይ ሕቶ ዑቕባኦም ዝቕበሉሉ ዝቕመጥሉ ዝነበሩ ካንቶን እዩ ዘገልግል። ኣብ ውሽጢ ካንቶኖም ዝነብርሉ ኮምዩን ክመርጹ መሰል ኣለዎ። ናብ ካልእ ካንቶን ክቕይሩ እንተ ደልዮም ኣብቲ ክቕይርሉ ዝሓስቡ ካንቶን ዝርከብ፡ ቤት ጽሕፈት ኣገልገሎት ስደተኛ ኬመልክቱ ይኽእሉ። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ስደተኛታት C ዝዓይነቱ ወረቐት ይወሃቡ። ካብዚ ንደሓር ዝነብርሉ ካንቶን ኪመርጹ ይፍቀደሎም እዩ።

ኣብዚ ዓምዲ: ስራሕ , መንበሪ, መንበሪ ፍቓድ , ምጥርናፍ ስድራ ቤት, መርዓ , ትምህርትን ስልጠናን , ጥዕና