Living in Switzerland – Information and counselling online  

ሓገዝን ናይ ሕጊ ምኽርን

ምስ ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ጉጀለታት (ቤተ ክርስትያናትን ኣብ ጉዳይ ወጻእተኛታት ዝነጥፋ ሃገራውያን ውድባትን) ብምትሕብባር፡ ኣብ ስደተኛታት ዝነጥፋ ገበርቲ ሰናይ ንሓተቲ ዑቕባ ንምሕጋዝ ኣብ ከባቢ ሰላሳ ዝኾና ቀንዲ ከተማታት ስዊዘርላንድ ኣገልግሎት ምኽሪ ዝህብ ቤት ጽሕፈት ኣለወን።


ዝህበኦ ኣገልግሎት፡

  • ዝቐረበ ሕቶ ናይ ምዕዋት ዘለዎ ተኽእሎ ምምርማር
  • ኣብ ዝተዋህበ ወግዓዊ ውሳነ ምኽሪ ምልጋስ
  • ግላዊ ጸገም ምስ ዘጓንፍ ሓገዝ ምውፋይ
  • ምትሕብባር ምስ ምምሕዳራዊ ኣገልግሎታት ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ጸገማት
  • ሕጋዊ ውክልና ምውሳድ

መብዛሕትኤን እዘን ነዚ ዕላማ ዝቖማ ቤት ጽሕፈታት ናጻ ኣገልግሎት እየን ዝህባ። ብሓፈሻ ነቶም ትሕዝቶ ዘይብሎም ሓተቲ ዑቕባ ጥራይ እዩ እዚ ናጻ ዝኾነ ኣገልግሎት ዝወሃብ። ከም ልሙድ ቆጸራ ብተለፎን ክትሕዙ ኣለኩም።

Related links: