Living in Switzerland – Information and counselling online  

ናብ ሃገር ምምላስ

ብዛዕባ ናብ ሃገር ምምላስ ዝምልከት ሓበሬታን ምኽርን ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት- ንስደተኛ ዝሕግዙ ጉጅለታት፡ ናይ ካንቶን ኮምዩንን ሰበ ስልጣን ክርከብ ይከኣል እዩ። እዘን ጉጅለታት ሓደ ሰብ ብሓገዝ ናብ ሃገር ንኽምለስ ኣብ ዝግበር ፕሮግራማትን ፕሮጀክትታንን ጸብጻባት የዳልዋ፤ ምስ ንሃገሩ ክምለስ ዝወሰነ ሓታቲ ዑቕባ ብግሉ ረኺበን ኣብ ምምላሱ ዝሕግዞ ውጥን ኣብ ምሕንጻጽ ይተሓጋገዛ። ብተውሳኺ ነቶም ኣብ ፕሮግራም ምምላስ ዝሳተፉ ኣገልግሎታዊ ሓገዝውን ይህባ እየን።

ምይይጥ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዝግለጽ ነገር ዘድልዮም ዝሕግዝ እዩ

  • ኣብ ምስላጥ ጉዳይ ጉዕዞ
  • ሰነዳት ኣብ ምእካብ
  • ኣብ መፋነዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ምርካብ
  • ናይ ጥሮታን ንገለ መኽፈሊ ግብሪ ዝወጸ ገንዘብ ኣብ ምምላስ
  • ሃገሮም ምስ ተመለሱ ንኣድላይ ሕክምናዊ ወጻኢታት ናይ ምሽፋኑ ዘሎ ተኽእሎ ምንጻር
  • ኣብ ፍሉይ ፕሮግራማት ናይ ምላልስን ዳግማይ ምውህሃድን ምስታፍ።

Related links: