ስደት
ወጻእተኛታት ብምኽንያት ስራሕ ወይ ከኣ ብመገዲ ምጥርናፍ ስድራ ቤታት ናብ ስዊዘርላንድ ኪስደዱ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ፡ ናብ ስዊዘርላንድ ንመጽናዕቲ ወይ ትምህርቲ ምኽንያት ንኺኣትዉ ተኽእሎታት ኣሎ።
ኣብ ኩሉ ጉዳያት፡ ሕቶ ስደት ብናይ ስዊዘርላንድ ሕጊ ወጻእተኛታት እዩ ዚመሓደር። እቲ ሕጋዊ ትእዛዛት ኣብ መበቆል ሃገር እቲ ተሰዳዲ ይምርኮስ እዩ። ዜጋታት ኤውሮጳዊ ሕብረትን ማሕበር ስምምዕ ናጻ ንግዲ ኤውሮጳን፡ ማዕረ ክንዲ እቲ ካብ ሳልሳይ ዓለም ዚመጹ ዜጋታት ንሕጋዊ ቀይድታት እተቓልዑ ኣይኮኑን።
ኣብዚ ዓምዲ: መንበሪ, ፈደራላዊ ሕጊ ንወጻእተኛታት, መንበሪ ወይ መጽንሒ ፍቓድ , ናብ ስዊዘርላንድ ምእታው, ወረቐት ዘይብሎም