ዩኒቨርሲታትን ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርትታትን
ዩኒቨርሲቲታት
ኣብ ስዊዘርላንድ ዓሰርተ ዝኾና ናይ ካንቶን ዩኒቨርሲታት ኣለዋ። ኻብ እዘን ዓሰርተ ዩኒቨርሲታት እተን ሓሙሽተ ማለት ዩኒቨርሲታት ባዝል፡ ሉዘርን፡ ሰንጋለንን ዙሪክን ኣብ ቋንቋ ጀርመን ዝዛረባ ናይ ስዊዘርላንድ ካንቶናት እየን ዝርከባ። ዩኒቨርሲቲ ፍሪቡርግ ከኣ ኣብ ቋንቋ ፈረንሳን ጀርመን ዝዝረብ እያ ትርከብ። ኣብ ስዊዝ ሮሞንድ ድማ ዩኒቨርስቲታት ጀነቫ፡ ሎዛንን ኒውሻተልን ይርከባ። ኣብ ጣልያን ዝዛረቡ ካንቶን ድማ ብ Università della Svizzera italiana እትፍለጥ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ኣላ።
ብተወሳኺ ክልተ ቤት ትምህርታት ፖሊቴክኒክ ፈደራል (EPF) ኣብ ሎዛንን ዙሪክን ከምኡ ድማ ኣርባዕተ ናይ ምርምር ትካላት፡ ትካል ፖል ሸረር (PSI) ፡ ናይ ፈደራል ትካል ምርምር ብዛዕባ ገረብ፡ ወርጭን መልክዕ ምድርን (WSL) ፡ ትካል ሳይንሳዊ ምርምር ኣብ ማተርያላትን ተክኖሎጅን (EMPA) ን ትካል ፈደራል ናይ ዕንጋለ ማይ፤ ኣብ መዓላ ዝወዓለ ማይ ምጽራይን ምክልኻል ማይን (EAWAG) ኣለዋ።
እዘን ናይ ካንቶናት ዩኒቨርሲታት ኣብ ዓውድታት ሰብኣውን ማሕበራዊ ሳይንስን፡ ስነ መለኮት፡ ሕጊ፡ ስነ ቍጠባ፡ ቍጽሪ፡ ባህርያዊ ሳይንስ፡ ሕክምናን ስነ መድሃኒትን ዝኣመሰሉ ኮርሳት ይህባ። ኣብ ዙሪክን ሎዛንን ዘለዋ ቤት ትምህርታት ፖሊተክኒክ ኣብ ተክኒካውን ሳይንሳዊ ዝኾነ መዳይ ኣተኲረን ይሰርሓ። መሃንድሳት፡ ቀየስቲ፡ ክኢላታት ስነ ቅመምን ስነ መድሃኒትን ወዘተ ዝኣመሰሉ የፍርያ።
ዝለዓለ ፍሉይ ቤት ትምህርታት
ዝለዓላ ፍሉያት ቤት ትምህርታት (HES) ናይ ዩኒቨርሲቲ ደረጃ ዘለወን ኮይነን ናብ ግብራዊ ስራሓት ዘተኮራ እየን። እቲ ኣብዘን ቤት ትምህርታት ዝወሃብ ትምህርቲ ምስ ሓደ ሞያን ንጥፈታትን ኣጸቢቁ ዝተኣሳሰረ እዩ። ብዝለዓለ ፍሉይ ቤት ትምህርታት ዝወሃብ ትምህርቲ (ተክኖሎጂ፡ ስነ ቍጠባ፡ ዲዛይን፡ ስነ ጥበብ፡ ማሕበራዊ ዕዮ፡ ጥዕና) ዕላማኡ ንሓደ ዲፕሎማ ዝሐዘ ሰብ ንንጡፍ ዕዮ ንምድላው እዩ።
ኣብዚ ሎሚ ግዜ 7 ህዝባውያን ዝለዓላ ፍሉያት ቤት ትምህርታትን ሓንቲ ድማ ናይ ግልን ኣለዋ።
ኣብ 2004 ዓም 160,000 ዝኾኑ ተማሃሮ ኣብ ደረጃ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቶም ይከታተሉ ነይሮም። ካብዚኦም ክልተ ሲሶ ኣብ ዩኒቨርሲቲ እቶም ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዝለዓለ ፍሉይ ቤት ትምህርታት እዮም ኣትዮም።
ኣብዚ ዓምዲ: Universités, Hautes écoles spécialiées
መተኣሳሰሪ:
ንዝያዳ ሓበሬታ
ሓበሬታ ንስንኩላን
ኣብዚ ዓምዲ: ዩኒቨርሲታት, ዝለዓለ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ (HES)