Living in Switzerland – Information and counselling online  

ናይ ሃገር ቋንቋ ምምሃር

ኣብ ኩሉ ከባቢታት ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ይወሃብ እዩ። ሓደ ኮርስ ኣብ ትሕዝቶኡ፡ ኣገባቡን ናይ ኣመሃህራ ቅልጣፈኡን ካብ ሓደ ናብ ሓደ ኮርስ ስለ ዝፈላለ፤ ሓደ ወይ ክልተ ናይ ፈተነ ትምህርቲ ምክትታል ዝምከር እዩ።
ናይ ፊደላት ትምህርቲ ኮርስ፡ ንፊደላት ላቲን ዘይፈልጡዎ ወይ ድማ ምጽሓፉ ንዘይተማህሩ ሰባት እዩ ዝወሃብ። እዚ ዓይነት ኮርሳት ወይ ስልጠናታት በዞም ዝስዕቡ ይወሃብ፡

  • A.I.D.A ኣብ ሰንጋለን
  • ECAP ኣብ ዙሪክ፡ ባዝልን ካልኦት ከተማታትን
  • ISA ኣብ በርን
  • ካብ ከተማ ወጻኢ ትነብሩ እንተሊኹም፡ ብዛዕባ ኣብ ቀረባኹም ዝርከብ ናይ ትምህርቲ ቦታ ንምፍላጥ፡ ንናይ ካንቶንኩም ናይ ምውህሃድ ወይ ኢንተግሬሽን ሓላፊ ተወከስዎ።

መብዛሕትኡ እዋን እቲ ዝወሃብ ትምህርታት ንደቂ ኣንስትዮ ዋላ ነደታት ፍሉይ ቆላሕታ ዝህብ እዩ። ሓደ ሓደ እዋን ኣብቲ ትምህርቲ ዝወሃቦ ቦታ መጽንሒ ቆልዑ ይህሉ እዩ። ነቲ ናይ ምውህሃድ ዝሽከም ናይ ካንቶን ወይ ኮምዩን ሓላፊ ተወከስዎ።

ንዓበይቲ ዝወሃብ ናይ ምውህሃድ ስልጠናታት ኣብ ቋንቋ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ፡ ሓበሬታ ብዛዕባ ህይወት ኣብ ስዊዘርላንድውን ይህብ እዩ።

ንናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ መዳለዊ ዝኾውን ጽዑቕ ናይ ቋንቋታት ጀርመንን ፈረንሳን ስልጠና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍሪቦርግ ይካየድ እዩ።

ናይ ስዊዝ ጀርመን ኮርሳት ብከም ቤት ትምህርቲ Club Migros. ይወሃብ እዩ።


ወጻኢታት

መብዛሕትኤን ናይ ቋንቋ ቤት ትምህርታት ናይ ግሊ ስለዝኾና ዝኽፍለኦ መጠን ገንዘብ ክቡር እዩ። ነቲ ዝህበኦ ኣገልግሎት ኣጽንዕዎ።
ኣብ ገለ ገለ ናይ ሞያ ቤት ትምህርታት ወይ ማሕበራት እቲ መንግስቲ ናይዚ ሃገር ስለዝምውለን፡ ንስደተኛታት ብዝሓሰረ ዋጋ ትምህርቲ ክምህራ ይኽእላ እየን። ከም ልሙድ፡ እቲ ተመሃራይ እዩ ነቲ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ወጻኢታት ክሽፍኖ ዝግባእ ነይሩ።

ኣስተውዕሉ!

ኣብ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ምዝጉብ እንተኾይንካ፡ ዋላ እኳ መሰል ካሕሳ ክትረክብ ዘይፍቅድ እንተኾነ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ስራሕ ኣልቦነት ንመምሃሪ ቋንቋ ገንዘብ ክትከፍለልካ ይከኣል እዩ። እዚ ትምህርቲ ዝፍቀድ ንሓደ ደላይ ስራሕ ቋንቋ ኣመሓይሹ ስራሕ ንኽረከብ እንተ ሓገዞ ካብ ዝብል ኮይኑ፡ እቲ ሰብ ድማ ብግዲኡ ብንጡፍ ስራሕ ኪደሊ ይሕተት። ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤት ጽሕፈታት ስራሕ ኣልቦነት (ORP) ተወከሱ።

ኣብ ከባቢኹም ዝወሃብ ኮርስ

ኣብ ብዙሓት ካንቶናት እቲ ናይ ምውህሃድ ሓላፊ ንስደተኛታት ናይ ቋንቋ ትምህርቲ የወሃህደሎምን ዘሎ ነገር ድማ ይሕብሮምን። እዘን ዝስዕባ ካብ ሓደ ሓደ ናይ ካባብያዊ ሓበሬታ ዝህባ እየን፡
መተኣሳሰሪ:

  • ፈደራላዊ ኮሚሽን ንሕቶታት ስደት (CFM)
  • ማሕበር ህዝባዊ ዩኒቨርሲታት
  • ቤት ትምህርቲ Club Migros
  • Bâle et Bâle Campagne
  • Frauenfeld
  • St.Gallen
  • Zürich
  • Schaffhausen
  • Luzern
  • Aargau
  • Solothurn
  • Zentralschweiz - Kantone Luzern, Obwalden/Nidwalden, Zug, Uri, Schwyz

Related links: