Living in Switzerland – Information and counselling online  

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝቕመጡ ደቂ ወጻኢ መጻምዲ

ኣብ ስዊዘርላንድ ብቛምነት ምቕማጥ ሓደ ካብቲ መንበሪ ፍቓድ ንምውሃብ ዚቐርብ ቅድመ ኩነት እዩ። ፍቓድ መንበሪ ወረቐት ንምርካብ፡ ንናይ ካንቶንኩም ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት ተወከሱ።

ናይ ስዊዝ ዜግነት ዘለዎም መጻምዲ ደቂ ወጻኢ ሃገር

ናይ ስዊዝ ዜግነት ዘለዎም ውልቀ ሰባት ንበዓል ቤትን ደቆምን ዚምልከት ምጥርናፍ ስድራ ቤት ንኽገብሩ መሰል ኣለዎ። 
ካብ ሕብረት ኤውሮጳን ስምምዕ ማሕበር ናጻ ንግዲ ኤውሮጳን ዚመጹ መጻምዲ
ካብ ሕብረት ኤውሮጳን ስምምዕ ማሕበር ናጻ ንግዲ ኤውሮጳን ዚመጹ መጻምዲ፡ ንበዓል ሓዳርን ካብ 21 ዓመት ንታሕቲ ዘለዉ ደቆምን ኪስዕብዎም ይከኣል እዩ። ናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ደቂ ሳልሳይ ሃገር እውን እዚ ሕጊ ብማዕረ ኣብኦም ይሰርሕ እዩ። እታ ስድራ ቤት ብሓባር ክትነብር ኣይትግደድን እያ።
 
ካብ ሳልሳይ ሃገር ዝመጹ መጻምዲ
እታ ኣባል ስድራ ካብ ሳልሳይ ሃገር ዝመጸት እንተኾይና፡ ብምትእኽኻብ ስድራ ቤት ቆልዑ ንምምጻእ እንተተደልዩ እቶም ቆልዑ ትሕቲ 18 ዓመት ኪኾኑ ኣለዎም። ምጥርናፍ ስድራ ቤት ንመጻምድን ቆልዑን ጥራይ እዩ ዚከኣል (ሓገዞም ብዘየገድስ)። ሕቶ ምጥርናፍ ስድራ ቤት፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ኪቐርብ ኣለዎ፡ ካብ 12 ዕድመ ንላዕሊ ንዘለዉ ቆልዑ ናብ ስዊዘርላንድ ንምምጻእ እቲ ጠለብ ድሕሪ መርዓ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኪፍጸም ኣለዎ።
 
ኣስተውዕሉ! 
እቶም ሰብ ሓዳር ብሓንሳብ ኪነብሩ ይግደዱ እዮም።
 

ናይ ሕብረት ኤውሮጳን ስምምዕ ማሕበር ናጻ ንግዲ ኤውሮጳን ዜግነት ዘለዎም ደቂ ወጻኢ መጻምዲ 

ብመሰረት ስምምዕ ናጻ ምንቅስቓስ ሰባት፡ ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳን ስምምዕ ማሕበር ናጻ ንግዲ አውሮጳን እኹል መንበሪ ቤትን እኹል ኣታውን ዘለዎም እንተኾይኖም፡ ምጥርናፍ ስድራ ቤት ኪገብሩ መሰል ኣለዎም። ኣብዚ ስድራ ቤት ንብሎም፡ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ዝጥወሩ ካብ 21 ዓመት ንታሕቲ ዘለዉ ቆልዑን ወለድን የጠቓልል።
 
ኣስተውዕል!
እቶም ኣባላት ስድራ ቤት፡ ካብ ሳልሳይ ሃገር እንተኾይኖም እሞ ቅድሚ ሕጂ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዘይነበሮም እንተነይሩ፡ መሰል ምጥርናፍ ስድራ ቤት ብመሰረት ናጻ ምንቅስቓስ ሰባት ኣይረኽቡን እዮም።
 
መጻምዶም ብዘየገድስ፡ ሓደ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዜግነት ዘለዎ ንሓሙሽተ ዓመት ዘገልግሎ ወረቐት ፍቓድ መንበሪ ንምርካብ መሰል ኣለዎ። እታ ስድራ ኣብ ሓደ መንበሪ ክትነብር ናይ ግድን ኣየድልን እዩ።
 

መንበሪ ፍቓድ B ዝሓዘ ካብ ሳልሳይ ሃገር ዝኾነ መበቆሉ

ምስ ስድራ ቤት ንምጥርናፍ ዜኽእል ሕጋዊ መሰል የሎን። ብኣንጻሩ፡ ናብ ዝምልከቶ ናይ ካንቶን በዓል መዚ ስደተኛታት፡ ምጥርናፍ ስድራ ቤት ኪፍቀደሉ ሕቶ ኬቕርብ ይኽእል እዩ።
 

ወረቐት ፍቓድ C ዝሓዘ ካብ ሳልሳይ ሃገር ዝኾነ መበቆሉ 

ንሰብኣይ/ሰበይትን ትሕቲ ዕድመ ንዘለዉ ቆልዑን ዚምልከት ምጥርናፍ ስድራ ቤት ከካይዱ ይኽእሉ እዮም፡ እንተደኣ ኣብ ቅድም ዝነብሮም ስድራ ቤታዊ ምትእስሳር ኬረድኡ ክኢሎም። ምጥርናፍ ስድራ ቤት ዚብል ኣርእስቲ ርኣ።
 

እተመዝገቡ ሰብ ሓዳር ተመሳሰልቲ ጾታ 

ኩሉ ኣብዚ ላዕሊ እተገልጸ ኣብ እተመዝገቡ ሰብ ሓዳር ተመሳሰልቲ ጾታውን ይሰርሕ እዩ።

 
 

ኣብዚ ዓምዲ: ምጥርናፍ ቆልዑ

Related links: