Living in Switzerland – Information and counselling online  

ምጥርናፍ ቆልዑ

ወጻእተኛታት ኣብ ሳልሳይ ሃገር ንዚርከብ ውላዶም ናብ ስዊዘርላንድ ኬምጽእዎ እንተደልዮም ናብ ዝምልከቶ ናይ ካንቶን በዓል መዚ ሕቶ ምጥርናፍ ስድራ ቤት ኬቕርቡ ኣለዎም። ዕላማ ምጥርናፍ ስድራ ቤት ከኣ፡ እታ ስድራ ብሓባር ከም እትነብር ንምግባርን ሕጋዊ ውሕስነት ንምርካብን እዩ።

ገደብ ግዜ

ንኻብ 12 ንታሕቲ ዕድሜኦም ቆልዑ፡ ሕቶ ምጥርናፍ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመት ዘሎ ኪፍጸም ኣለዎ። ካብ 12 ዓመት ንላዕሊ ንዘለዉ እቲ ሕቶ ኣብቲ ውሽጢ ዓመት ኪቐርብ ይግበኦ። እዚ ናይ ግዜ ገደብ ምስ ሓለፈ ብፍሉይ ምኽንያት እንተዘይኮይኑ፡ ምጥርናፍ ስድራ ቤት ኣይፍቀድን እዩ።
ኣስተውዕል!
እቲ ገደብ ግዜ ዚሕሰብ ካብቲ ተኽእሎ ምጥርናፍ ስድራ ቤት ዚህልወሉ እዋን ጀሚሩ እዩ። ስለዚ፡   ዚድለ ቅድመ ኩነታት እንተ ኣማሊእኩም (መንበሪ ወረቐት/ናይ ነባርነት ፍቓድ) ፡ ብሕጊ ምጥርናፍ ስድራ ቤት ክትገብሩ ዋላ ኣይሃልኹም ነቲ ጠለብ ምጥርናፍ ስድራ ቤት ክትጅምርዎ ኣለኩም።
ስለዚ ኸኣ ብገንዘባዊ መገዲ ብሳልሳይ ሃገር ዋሕስ ዝተኣትወሎም ዜጋታት፡ ወረቐት መንብሪ ፍቓድ B ሒዞም ኣብ ዘለውሉ እዋን ሕቶ ምጥርናፍ ቆልዑ ኬቕርቡ ይግበኦም። ምስ ዝምልከተካ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ጉዳይ ኣገልግሎት ህዝብን ስደተኛታትን ተዘራረብ።

መምርሕን ስርዓታትን

ናይ ስዊዝ ዜግነት ዘለዎም መጻምዲ ደቂ ወጻኢ
ኣብ መንጎኦምን እቶም ቆልዑን ኣቐዲሙ ስድራ ቤታዊ ርክብ ነይሩዎም ኮይኑ፡ መጻምዲ ካብ ናይ ቅድም ዝምድናኦም ዝወለድዎም ትሕቲ 18 ዝዕድመኦም ቆልዑ ናብ ስዊዘርላንድ ኬእትዉ ይኽእሉ እዮም።
ግዜ ገደብ ሕቶ ምቕራብ ኪቈጽር ዚጅምር እቶም መጻምዲ ደቂ ወጻኢ: ስዊዘርላንድ ካብ ዚኣትዉ ወይ ከኣ ናይ ቤተ ሰብ ምትእስሳር ምህላዉ ምስ ተረጋገጸን እዩ።
እቶም ቆልዑ ኣቐዲሞም ካብ ሕብረት ኤውሮጳን ማሕበር ናጻ ንግዲ ኤውሮጳን ቀዋሚ ዝኾነ መንበሪ እንተ ኣለዎም፡ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ክሳብ ደቂ 21 ዓመት ዚመልኡ ምስ ስድራ ቤቶም ኪጠራነፉ ይከኣል እዩ። ንህይወት ዜድልዮም ነገራት ባዕላቶም እዮም ዚሽፍንዎ።
ወረቐት ፍቓድ C ዘለዎም ካብ ሳልሳይ ሃገር ዚመጹ
ዘይተመርዓዉ ትሕቲ 18 ዓመት ውሉዳት ዘለዉዎም እንተኾይኖም እሞ ምስኦም ዚቕመጡ እንተልዮም፡ እቶም ቆልዑውን መንበሪ ፍቓድ ኪወሃቦም ይከኣል እዩ።
ግዜ ገደብ ሕቶ ኪቘጽር ዚጅምር፡ ወረቐት ፍቓድ C ምስ ተዋህበ ወይ ከኣ ቤተሰባዊ ምትእስሳር ምህላዉ ካብ ዚረጋገጽ ንደሓር እዩ።
መንበሪ ፍቓድ B ዘለዎም ካብ ሳልሳይ ሃገር ዚመጹ
ዘይተመርዓዉ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዑ መንበሪ ፍቓድ ኪወሃቡ ይኽእሉ እዮም እንተደኣ፡
  • ምስ ወለዶም ዚቕመጡ እንተኾይኖም
  • እኹል ዚኾነ መንበሪ ቤት እንተሎ
  • እቶም ወለዲ ተጸበይቲ ማሕበራዊ ድሕነት እንተዘይኮኖም ።:
ግዜ ገደብ ሕቶ ኪቝጸር ዚጅምር፡ መንበሪ ፍቓድ ምስ ተዋህበ ወይ ከኣ ስድራ ቤታዊ ምትእስሳር ምህላዉ ምስ ተፈልጠን እዩ።
ኣስተውዕል!.
እቲ ዚቐርብ ጠለብ ዋላ ሓንቲ ሕጋዊ መሰል ኣየውህብን እዩ። ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ማሕበር ስምምዕ ናጻ ንግዲ ኤውሮጳን ዚመጹ ትሕቲ 21 ዓመት ዘለዉ፡ ነብሶም ክኣልዩ ዚኽእሉ እንተ ኾይኖምን እኹል ዚኾነ መንበሪ ከኣ እንተልዩን ንስድራ ቤቶም ኪኽተልዎም ይኽእሉ እዮም።
ኣስተውዕል!
ስራሕ ዘይብሎም እንተኾይኖም፡ እኹል ዝኾነ ገንዘብ ከምዘለዎን ንዓኦምን ንስድራ ቤቶምን መድሕን ከም ዝኣተዉ ኬረጋግጹ ይግበኦም።

ኣብዚ ዓምዲ: ምጥርናፍ ቆልዑ