Living in Switzerland – Information and counselling online  

ገንዘብ

ብመሰረት ሕጊ መርዓ፡ ሰብ ሓዳር ብሓባር ኮይኖም ንስድራ ቤቶም ይኣልዩን ይሕብሕቡን። ብነፍሲ ወከፍ ዚግበር ኣስተዋጽኦ፡ ማለት ክፍሊት፡ ንቤት ዚዕደግ፡ ሓላፍነት ቆልዑ ምሽካም ወይ ከኣ ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሞያዊ ወይ ንግዳዊ ምዕባለ ዚግበር ሓገዝ ይረዳድኡ።

ንድልየታት ስድራ ቤታት ንምሽፋን ዘገልግሉ፡
  • ደሞዝ ሰራሕኛታት
  • ክፍሊት ጥሮታ
  • ናይ ወፍሪ ወይ ከኣ ናይ መድሕን ኣታዊ
  • ኣገዳሲ ኣብ ዝኾሉ ከኣ፡ መጠን ሃብቲ  
ኣስተውዕል!
ንድልየታቶም ንምሽፋን፡ ካብ ናይ ቆልዑ ሃብቲ ገንዘብ ኪለዓል ይኽእል እዩ። እዚ ኪግበር ዚከኣል፡ እቲ ናይ ሞግዚትነት ስልጣን ዝሓዘ ሰብ እንተ ፈቒዱ ጥራይ እዩ። እቲ ኣታዊታት ዘይእኹል ንመሰረታዊ ድልየታት ንምሽፋን ዘየኽእል እንተኾይኑ፡ ካብ ምምሕዳር ናይቲ እትነብርሉ ቦታ ማሕበራዊ ደገፍ ክትሓቱ ይከኣል እዩ። ንመሰረታዊ ድልየታት ንምምላእ ዚድለ መጠን ገንዘብ ካብ ኣታዊ እንተ ዛይዱ፡ ብመሰረት ናይ CSIAS ኣገባብ ፡ውሱን ዝኾነ ገንዘብ ሕሳብ ተገይሩ ይምወል። 
መድሕን ማሕበራዊ ድሕነትን ማሕበራዊ ሓገዝን ዚብል ኣርእስቲ ረኣ

ናይ ባጀት ምኽሪ

ነቲ ንቡር ዝኾነ ደረጃ መነባብሮ ንምውሳን፡ ናይ ሓባር ክውነነት ዘለዎ ባጀት ኪወጽእ ኣለዎ። ሓገዝ ንምርካብ ንትካል ASSOF (ናይ ስዊዝ ማሕበራዊ መድሕን ኮም) ተወከሱ። 

ናይ ጁባ ገንዘብ

ነፍሲ ወከፍ መጻምዲ ብናጻ ኪጥቀመሉ ዚኽእል ናይ ጁባ ገንዘብ ኪሕዝ መሰል ኣለዎ። እዚ መጠን ገንዘብ ብመሰረት ኣታዊ ገንዘብ ኣብ ግምት ኣትዩ እዩ ዚውሰን።

ሓበሬታ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት

ረብሓኦም ንምሕላው፡ ነፍሲ ወከፍ መጻምዲ ብዛዕባ ኣታዊታቱ፡ ሃብቱ ወይ ዕዳኡ ነቲ ኻልእ መጻምዲ ኪሕብር ብሕጊ ይግደድ እዩ። ኣዳላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ነቲ ሓበሬታ ብጽሑፍ ኬቕርቦ ይኽእል እዩ፡፡ ንኣብነት፡ ሰነዳት ባንክ፡ ናይ ለቃሕ ውዕላት ወዘተ። እዚ መሰል እዚ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ዝጥለብ እዩ፡ ማለት ንምሕላው መስርሕ ውሕስነት መርዓ።

ንዕዳ ሓላፍነት ምሽካም

እቲ ዕዳ ብክልቲኦም ወገናት ብሓባር ፊርማኦም ዜንበርሉ እንተ ኾይኑ፡ ወይ ከኣ ንናይ ክልቲኦም ኣብ ዜድልዩ ነገራት ንምምዋል እንተ ተገልጊሎምሉ፡ በዚ መሰረት ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ብሓባር ሓላፍነት ናይቲ ዕዳ ይሽከሙ እዮም።
ሓደ ካብ መጻምዲ ንውልቃዊ ድልየታቱ ንምምላእ ኢሉ ዕዳ እንተ ተዓዲዩ፡ እቲ ካልእ መጻምዲ ከም በዓል ዕዳ እንተ ዘይተጠቒሱን ናይ ዕዳ ወረቐት ፈሪሙን፡ ብዕዳ ናይቲ ካልእ መጻምዲ ተሓታቲ ኣይኮነን።
ተፈላልዮም ዚነብሩ እንተ ዘይኮይኖም፡ ክልተ ብሓባር ዚነብሩ መጻምዲ ብናይ ክራይ ገዛ፡ ሕክምና መድሕንን ግብርን ተኣሳሲሩ ዚመጽእ ዕዳ ብሓባር እዮም ዚሽከምዎ።
ሕቶታት እንተ ኣለኩም ኮይኑ፡ ንጉዳይ ዕዳ ዝምልከት ምኽሪ ዚህብ ኣገልግሎት ተወከሱ።

Related links: