Living in Switzerland – Information and counselling online  

ባጀት

ደሞዝ ሰራሕተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ ብማእከላይ ገምጋም ካብ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝኽፈል ልዕል ዝበለ እዩ። ብኻልእ መንጽር ድማ ናብራ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣዝዩ ክቡር እዩ። ንኽራይ ገዛ፡ ንኢንሹራንስ፡ ኢንሹራንስ ሕክምናን ንግብርን ዝኽፈል ገንዘብ ልዑል እዩ።

ጠቓሚ ምኽሪ


• ነቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝመጹ ሓደስቲ ሰባት መዓልታዊ ወጻኢታቶም ንምቁጽጻር ምእንታን ኪኽእሉ ዝርዝራዊ ዝኾነ ባጀት ክስልዑ ሓጋዚ እዩ።
• ስድራ ቤታት ወይ ምጡን ዝኾነ ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ ኣሰላልዓ ባጀት ሓገዝ ክሓቱ ይኽእሉ።


መሰረት ባጀትና ካብቲ ጽሩይ ኣታዊና ኪኸውን ኣለዎ

ተጠንቀቑ!

ኣብ ስዊዘርላንድ ክራይ ገዛ ኣዚዩ ክቡር እዩ። ንኽራይ ገዛ ትኸፈፍልዎ መጠን ገንዘብ ልዕሊ 25% ናይቲ ጽሩይ ኣታዊታትኩም ክኸውን የብሉን። ኣታዊኹም ውሕድ ዝበለ እንተኾይኑ ንኽራይ ገዛ ትኸፍልዎ ዝያዳ 20% ናይቲ ኣታዊ ኪኸውን የብሉን።


ኢንሹራንስ ሕክምናውን ብግዲኡ ኣዚዩ ክቡር እዩ። ስለዚ ንኢንሹራንስ ንኸፍሎ ዋጋታት (prime) ብጥንቃቐ ኣነጻጺርና ክንኣትዎ ይግባና።.


ኣብ ኩሉ ቦታታት ናይ ስዊዘርላንድ ኣብ ኣሰላልዓ ወይ ኣመቓርሓ ባጀት ምኽሪ ንምሃብ ዝቖማ ማእከላት ኣለዋ። ዝህበኦ ምኽራዊ ኣገልግሎት ብዘይ ክፍሊት ናጻ እዩ። ንኣሳልጦ ስራሕ ንኽሕግዝ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተመልኣ ናይ ባጃት መሕተቲ ቅጥዒ ምሳኹም ተማልእዎ።

Related links: