Living in Switzerland – Information and counselling online  

ባጤራታት

ስዊዘርላንድ ብዛዕባ ናብ ሃገራ ዝኣቱ ባጤራታት ዝምልከት ፍሉይ ስርዓት ወይ ኣገባብ የብላን። ይኹን እምበር፡ ስዊዘርላንድ ኣንጻር ዓለምለኻዊ ገበናትን ምዝውዋር ዘይሕጋዊ ገንዘብን ኣብ ትገብሮ ቃልሲ፡ ንስኻትኩምውን ክትፍተሹ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል እዩ። ስዘዝኾነ ድማ ምጥን ዝበለ ገንዘብ ጥራይ ኣብ ጁባኹም ክትሕዙ ይምረጽ።
ሕብረት ኣውሮጳ ንሓደ ካብ 10,000.00 ኤሮ ንላዕሊ ዝልእኽ ሰብ ወግዓዊ ጌሩ ከፍልጥ የገድዶ። ከምኡውን ሓደ ሰብ ናብ ስዊዘርላንድ ቅድሚ ምግዓዙ መዝገብ ባንክ ሕሳብ ኣብ ሓደ ናይ ወጻኢ ጨንፈር ባንክ ኪኸፍት ይግደድ። ዝድለ መጠን ገንዘብ ድማ ብቐጥታ ኣብ ስዊዘርላንድ ናብ ዝኸፈትካዮ መዝገብ ሕሳብ ክሰሓብ ይከኣል።