Living in Switzerland – Information and counselling online  

ዕዳ


መጠናውን ልዕለ መጠናውን ዝኾነ ዕዳ ምሽካም ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ኩሉ ዕድመን ማሕበራዊ ጽፍሕን ከይፈለየ ንብዙሓት ሰባት ይትንክፎም እዩ። እዚ ምስ ዘጋጥም ስቕ ኢልኩም ኣይትጸበዩ፤ ኣብ ኩሉ ስዊዘርላንድ ዝርከባ ማእከላት ምኽሪ ኣብዚ መዳይ እዚ ክሕግዛኹም ይኽእላ እየን።

ዘይምረጽ መፍትሒ

ናይ ምሕደራ ዕዳ ንግዳውያን ትካላት፡ ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ትካላት ብዘቕርበኦ መዋዓውዒ ተሳሒብኩም ኣይትታለሉ። ዕዳኹም ኣብ ቦታኡ ከሎ ብተወሳኺ ካልእ ገንዘብውን ከምትኸስሩ ኪገብረኩም ይኽእል እዩ።
ሃለኽቲ ነገር ንምግዛእ ዝልቃሕ፡ ንግዜኡ ገለ ነገር ክትረክብ ትኽእል ትኸውን እዚ ግን ዘለካ ዕዳ መሊሱ ዝውስኽ እምበር ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን። ንኡሳን ትካላት ለቓሕ ዘቑማልኩም ባጀት ዳርጋ ግብራውነት የብሉን።
ሊይዚን፡ ንሊይዚን (ዋጋ ዕድግን ወለድን ) ጥራይ ኣይኮንካን ትኸፍል፤ ንኢንሹራንስ ዝኽፈልውን ኣዚዩ ክቡር እዩ። ቅድሚ እዋኑ ካብቲ ውዕል እንተ ኣንሳሒብና ድማ ተወሳኺ ብዙሕ ገንዘብ ክንከፍል ንግደድ ኢና።
ናይ ለቓሕ ካርድ፡ ኣብ መጨረሻ ወርሒ፡ ካብቲ ሕሳብካ ንላዕሊ ገንዘብ እንተውጽእካ 15% ወለድ ትኸፍል።
ናይ ዓሚል ካርድ፡ እዚ ዓይነት ካርድታት ብሕሳር ንኽንዕድግ ዘተስፍወና እኳ እንተኾነ ኣብቲ ዝወጸሉ ወርሒ እንተ ዘይተጠቒምናሉ ግን ወለድ ንኽንከፍል የገድደና ኢዩ። ብተውሳኺውን ነቲ ዝኽፈል ገንዘብ ብናትና ወጻኢታት ኢና ናብቲ መኽፈሊ ገንዘብ ከም ዝበጽሕ ንገብሮ።
ጥንቃቐ ኣብቲ መኽፈሊ ቤት ጽሕፈት
መብዛሕትኡ እዋናት ትካላትን ደኳናትን ነቲ ኣብ እዋኑ ዘይተኸፍለ ገንዘብን ዕዳን ንምእካብ ንሰባት ብሕጋውን ሕጋዊ ብዘይኮነን መገድን ናብቲ ነዚ ገንዘብ ንምእካብ ዝቖመ ቤት ጽሕፈት ይልእኩ እዮም። ካብዚ ቤት ጽሕፈት ዝተዓጻጸፈ መጠን ገንዘብ ክትከፍሉ ዝነግር ቅብሊት እንተተሰዲድኩም፡ ምኽሪ ካብ ምሕታት ኣይትቖጠቡ።

ኣብዚ ዓምዲ: ክስረት, ምህጋር, ካብ ዕዳ ምንጋፍ, ትእዛዝ ሕሳብ ንምኽፋል

Related links: