Living in Switzerland – Information and counselling online  

ኣካላዊ ምውስዋስ

ስሩዕ ዝኾነ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምጅማር ፈጺሙ ግዜኡ ዝሓለፎ ነገር ኣይኮነን።
ስሩዕ ዝኾነ ኣካላዊ ምውስዋስ ምግባር ካብ ዝውቱራት ዝኾኑ ሕማማት ከም መጠኑ ዝሓለፈ ክብደት ሰብነት፡ ናይ ልቢ ሕማም፡ ሽኮርያ II፡ ምስብባር ኣዕጽምቲ (Osteoporoses) ፡ ቃንዛ ሕቖ ከምኡ ከኣ ናይ መዓንጣን ጡብን ካንሰራት ኪስዕብ ዚኽእል ሽግራት ይንኪ።
ብኣካል ንጡፍ ምዃን ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ዜማሓይሽን ንወጥረት፡ ጭንቂ ዋላውን ንጓሂ ንምእላይ ይሕግዝ እዩ።
ንጡፍ ኣካላዊ ምውስዋስ ዘካይዱ ሰባት ነዊሕ ዕድመ ይነብሩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ውሑድ ናይ ጥዕና ክንክን እዩ ዜድልዮም። ቅድሚ ሕጂ ፈጺሞም ኣካላዊ ምውስዋስ ዘይገብሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባትውን እንተኾነ ስሩዕ ኣካላዊ ምውስዋስ ካብ ምግባር ረብሓ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። 
 
መንእሰያት ጥዕናኦም፡ ድሕነቶም፡ ዓይነት መነባብሮኦምን ንጥፈታቶምን ንምምሕያሽ ኣብ መዓልታዊ ፍርቂ ሰዓት ዚኣክል ኣካላዊ ምውስዋስ እንተጌሮም እኹል እዩ። ቅድሚ ሕጂ መጠናዊ ዝኾነ ኣካላዊ ምውስዋስ ዝገብሩ ዝነበሩ ሰባትውን ብተመሳሳሊ ምስ ተጻዋርነቶም፡ ጭዋዳዊ ዓቕሞምን ተዓጻጻፍነቶምን ዚኸይድ ፍሉይ ስልጠና ብምጅማር ተወሳኺ ረብሓ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። 
 
ኮቶቴ፡ ኣብ መዓልቲ ሓደ ሰዓት ዚወስድ ኣካላዊ ምውስዋስ ኪገብሩ ይግበኦም፡ ቆልዑ ብግዲኦም ካብዚ ኣጸቢቑ ዚዛይድ ኪገብሩ ኣለዎም። ብተወሳኺ፡ ቆልዑን ናእሽቱ መንእሰያትን፡ ኣዕጽምቶም ንኽተርር፡ ንጽቡቕ ዙረት ደም ልቢ፡ ጭዋዳታቶም ንኺኸርር፡ ሚዛንን ተዓጻጻፍነትን ንኺህልዎም፡ ኣብ ሰሙን ብዙሕ ግዜ ኣካላዊ ምውስዋስ ኪገብሩ ይግባእ።
 
ምስ ንጥፈታት ኣካላዊ ምውስዋስ ተኣሳሲሩ ዚመጽእ ዘይተደልየ ሳዕቤን፡ ካብቲ ብሰንኪ ኣካላዊ ምውስዋስ ዘይምግባር ዚኽሰት ሳዕቤናት ኣዚዩ ዚወሓደ እዩ።

Related links: