Living in Switzerland – Information and counselling online  

ሓገዝን ክንክን ኣብ መንበሪ

ኣብ ስዊዘርላንድ ጎኒ ጎኒ እቲ ኣብ ሆስፒታላት ዚካየድ ክንክን ጥዕና ካብኡ ወጻኢውን ዝካየድ ሰፊሕ ዝኾነ ሓገዝን ክንክን ይካየድ እዩ። ናይ ስድራ ቤት ሓኪም፡ ንምሕካምን ንኣብ መንበሪ ዝካየድ ክንክን ምውዳብን ሓላፍነት ይወስድ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ነቲ ኣብ መንበሪ ዚካየድ ሕክምናን ክንክን ብSpitex ዚብል ቃል ይፍለጥ። እዚ ካብ ዚዓሞም ገለ ገለ፡
  • ሓደ ሕሙም ድሕሪ መጥባሕቲ ወይ ሕማም ካብ ሆስፒታል ምስ ዝምለስ ግን ድማ ገና ሓገዝ በዓል ሞያ ክንክን ዜድልዮ ኪኸውን ከሎ፡
  • ናይ ገዛ ስራሕ ኪኣልዩ ዘይክእሉ ኣረጋውያን ሰባት ወይ ከኣ ናብ ሕክምናዊ ትካላት ኪኸዱ ዘይደልዩ ወይ ከኣ ዘይኽእሉ፡
  • ክተዕርፍ ዝግባኣ ነፍሰ ጾር ሰበይቲ 
  • ድሕሪ ሕርሲ ሓገዝ እትደሊ ሰበይቲ
  • ሓገዝ ንዝሓመመ ውላዶም ዝደልዩ ወለዲ

ተሓጋገዝቲ

  • ልክዕ ከም ኣብ ሆስፒታላት ሕክምናዊ ክንክን የካይዳ
  • ኣብ ናይ ገዛ ስራሕን ጽሬትን ይሕግዛ
  • ናይ ብልዒ ኣገልግሎት ይውድባ
 
ኣብ መንበሪ ዚወሃብ ኣገልግሎት ሕክምናዊ ክንክን ብናይ ውልቅን ብመንግስቲ ዝዱጎማ ውድባትን እዩ ዚካየድ።
 
ኣብ ትሕቲኡ 650 ናይ ኣካባቢ SPITEX ጉጅለታት ኣጣሚሩ ዚሓዘ፡ ብዘይመኽሰብ ኣብ ናይ መንበሪ ቤት ዝከየድ ሕክምናዊ ክንክን ዚነጥፍ ወድብ ኣሎ። እዘን ጉጅለታት 27 000 ዝኾኑ ሰባት ስራሕ ይቖጽራ።  

Related links: