Living in Switzerland – Information and counselling online  

ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን

ናይ ሆስፒታላት ኣገልግሎት ህጹጽ፡ ንህይወት ኣብ ኣዚዩ ሓደጋ ዜውድቕ ኩነታት ንዝምልከት ጉዳይ ትሑዝ ኮይኑ ለይትን መዓልትን ብዘይምቍራጽ (24/24 ሰዓታት) ክፉት እዩ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ናይ ህጹጽ ጉዳይ ዝምልከትውን ምስ ናይ ስድራ ቤትኩም ሓኪም ኪትዛረቡ ጽቡቕ እዩ። ሓኪምካ ክትረኽቦ ምስ ዘይትኽእል፡ ኣብ ክፍሉ እትርከብ መልሲ እትህብ ተለፎን ንስምን ቍጽሪ ተለፎን ናይ ተራኛ ሓኪምን ክትሕብረኩም እያ።
ለበዋ
ኣብ ናይ ህጹጽ ሕክምና ኣገልግሎት፡ እቶም ሕሙማት ዝረኣዩ ብመሰረት ደረጃ ክብደት ሕማሞም ኣብ ግምት ኣትዩ እዩ። ቅልል ዚበለ ሕማም ዘለዎም ንውሕ ዝበለ ግዜ ንኽጽበዩ ኪግበር ይከኣል እዩ። ሰዓታትኩም ብዘይጠቅም ሪጋ ኣብ ምጽባይ ኣይተባኽንዎ። ናብ ሓኪምኩም ወይ ከኣ ናብ ተረኛ ሓኪም ኬድኩም ተረኣዩ።

ሕክምናዊ ኣገልግሎት

ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ብዛዕባ ተረኛ ወይ ተጠባባቒ ሓኪም ዚሕብር ፍሉይ ቍጽሪ ተለፎን የሎን። ብዛዕባ እዚ ንምፍላጥ ንመዓልታውያን ጋዜጣታት ምውካስ የድሊ ወይ ከኣ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ 18 18 ምድዋል ይከኣል።
 

ኣምቡላንስ

ኣምብላንስ ትደልዩ እንተ ኴንኩም ናብ ቍጽሪ 144 ደውሉ።
 
ኣስተውዕሉ! 
ሕሙማት ንገለ ወጻኢታት ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ካብ ጅባኦም ኪከፍሉዎ ይግደዱ እዮም።
 

ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን፡

  • መን ምዃንካ ብግልጺ ሓብር፡፡
  • ትርከበሉ ቦታ ንገር።
  • ዜጋጠመ ነገር ግለጽ።
  • እንታይ ከም ዝገበርካ ንገር።

ኣገደስቲ ቍጽርታት ተለፎን 

ናይ ህጹጽ ጸውዒት 144
ፖሊስ               117
መጥፋእቲ ሓዊ          118
እተድሕን ሆሊኮፕተር REGA 1414
ናይ ተለፎን ሓበሬታ         1818