Living in Switzerland – Information and counselling online  

ናይ ኣእምሮ ጥዕና

ሕማማት ኣእምሮ ካብቶም ብብዝሒ ዚረኣዩ ሓማማት ሓደ እዩ። ሓደ ሲሶ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ኣብ ህይወቱ ብውሕዱ ሓደ ግዜ በዚ ሕማም ተተንኪፉ እዩ። ሓደ ካብ ዓሰርተ ኣብ ናይ ኣእምሮ ክሊኒክ ሕክምናዊ ክትትል ኪገበር ኣለዎ።

ሕማማት ኣእምሮ ብሓቂ ዘለዉ ኮይኖም፡ ነቲ ኣእምሮዊ ሽግር ምሕካሙ ኸኣ ፈጺሙ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር እዩ። በዚ መገዲ ሓገዝ ትደሊ እንተኾይንካ፡ ስዊዘርላንድ በዚ ዓይነት ሽግር ንዚሳቐዩ ሰባት ንምድጋፍን ንምሕካምን ጽቡቕ መርበባት ኣለዉዋ።
ኣስተውዕል!
ንሕክምና ኣእምሮ ማለት ንሕክምናዊ ምይይጥ፡ ክሊኒክ፡ እናተመላለስካ ትሕከሞ፡ መድሃኒታት፡ ብናይ መሰረታዊ መድሕናት እዮም ዚኽፈሉ። ኣብ ናይ ሕክምናዊ ምፍዋስ ኣእምሮ፡ መሰረታዊ መድሕን ንመርመራን ፍወሳ እቲ ሕማም እንተ በዝሐ ናይ 10 ርክባት ይኸፍል እዩ።
 
ነቲ ሕክምና ብኻልእ 30 ርክባት ንምቕጻል፡ እቲ ናይ ግሊ ሓኪም ድሕሪ 6 ርክባት ብዛዕባ እተጀመረ ፍወሳ ዝምልከት ጸብጻብ ናብ ሕክምናዊ ኣማኻሪ ናይታ ሕሙም ዝኣተዋ መድሕን ኬቕርብ ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ንፍወሳ ሓማም ኣእምሮ ዚወጽእ ገንዘብ እታ ናይ መሰረታዊ መድሕን ትኸፍሎ እቲ ፍወሳ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓኪም እንተ ተኻዪዱ እዩ።
 
ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓኪም ዘይተገብረ፡ ብናይ ስነ ልቦና ክኢላ ዚፍጸም ምፍዋስ፡ ብናይ መሰረታዊ መድሕን ኣይሽፈንን እዩ። ናይ ጥዕና መድሕን ነዚ ወጻኢታት ንምሽፋን ናይ ተውሳኺ መድሕን ዕድል ኣለወን።
 
ሓገዘ እንተ ደሊኻ ቀትርን ለይትን ክትድውለሉ እትኽእል ቍጽሪ ተለፎን 143 ኣሎካ።

ኣብዚ ዓምዲ: ጭንቀት, ንስድራ ቤት ዚወሃብ ሓገዝ , ቆልዑን ኮተቴን

Related links: