Living in Switzerland – Information and counselling online  

ኣብ ሆስፒታል

ብሓፈሻዊ መገዲ፡ ሕሙማት ኣብ ሆስፒታል ንኪሕከሙ ካብ ብናይ ስድራ ቤት ሓኪም ወይ ከኣ ብስፔሻሊስት ሓኪም ክለኣኹ ኣለዎም።

ናይ መሰረታዊ መድሕን ጥዕና፡ እታ መድሕን ኣብ እትፈልጦም ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ንዚፍጸም ሕክምናን ንምስ ካልኦት ብሓባር ተኻፊልካ ትጸንሖ ናይ ሕክምና ክፍልን ወጻኢታት ይሽፍን። ሓደ ሓኪም፡ ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ምስ ናይ ስፔሻሊስት ሓኪም ብምትሕብባር ኣብ ትሕቲ ክፍሉ ንዘለዉ ሕሙማት ይሕክም፡፡ ኣብ ናይ ሓባር ክፍሊ ዝሕከሙ ሕሙማት ሓኪም ናይ ምምራጽ መሰል የብሎምን። 
መድሕን ጥዕና፡ ንኣብ ከፊል ብሕታዊ ወይ ከኣ ብሕታዊ-ክፍሊ ንትሕከሞ ወጻኢታት ንምሽፋን ናይ ተወሳኺ መሕከሚ መድሕን ይቕርብ እዩ። እቶም ናይ ብሕቲ ሕክምናዊ ክፍሊ ዘለዎም ኣብ ሓደ ክፍሊ ሓንቲ ዓራት ዘላታ ንኽሕዙ መሰል ኪልዎም ከሎ ኣብ ከፊል-ብሕታዊ ክፍሊ ዘለዉ ኸኣ ኣብ ክልተ ዓራት ዘለዎ ክፍሊ ኪኣትዉ መሰል ኣለዎም። እዞም ኣብ ናይ ከፊል-ብሕታዊን ብሕታዊን ክፍሊ ንኺሕዙ መድሕን ዚኣትዉ ኣብ ምሉእ ስዊዘርላንድ ኣብ ዚደለይዎ ሆስፒታል ንኽሕከሙ መሰል ኣለዎም። 
 
መብዛሕቲኡ ኣብ ሆስፒታላት ዝግበረልካ ሕክምናዊ ክንክን ብኣለይቲ ሕሙማት ወይ ነርስ እዩ ዚካየድ። ኣለይቲ ሕሙማንን ሓካይምን ብቐረባ ይተሓጋገዙን ስሩዕ ምልውዋጥ ሓበሬታ ይገብሩን። እዚ ማለት ከኣ ንስኻ ከም ሕሙም ዝበለጸ ክንክን ንኽትረክብ የኽእለካ።
 
ካብ ወጻኢ ዚመጹ ወይ ከኣ እተፈላለየ ቋንቋታት ዚዛረቡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ሕክምና ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ ባህልታት ዚግበር ርክባት ንምርዳኡ ኬቃልሎ ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ዓምዲ: ምብጻሕ, ናይ ሆስፒታል ማሕበራዊ ኣገልግሎታት , ምግቢ, መጥባሕትን ምሕካምን

Related links: