Living in Switzerland – Information and counselling online  

ናይ ሓኪም ስኒ

ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ንቝጽጽርን ሕክምናኡን ዝምልከት ወጻኢታት ባዕሉ እቲ ሕሙም እዩ ዚኸፍሎ።

ብሰንኪ ሕማም ወይ ሓደጋ ዚመጹ እንተዘይኮኖም ኣብ ንስኒ፡ ንግርጻንን መንጋጋን ዚትንክፍ ቍስሊ ንምሕካም መድሕን ኣይኸፍሎን እዩ።
ንናይ ድሕሪት ኩረምቲ ንምውጻእ እንትኾነውን ብናይ ሕክምና መድሕን ኣይክፈልን እዩ።
ስለዚ ኸኣ ናይ ጥዕና መድሕን፡ ንገለ ክፋል ወጻኢታት ሕክምና ስኒ ንምሽፋን ኣብ ተወሳኺ መድሕን ንኺእቶ ይምዕዳ። እዘን መድሕናት ከኣ ኣዚየን ክቡራት እየን። ስለዝኾነ ኸኣ እዩ ካብ ስዊዘርላንድ ንቱሪዝም ሕክምና ስኒ ተባሂሉ ናብ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ዝማዕበለ።
 
ኣስተውዕል!
ሓተቲ ዑቕባ ወይ ንግዜኡ ኣብ ስዊዘርላንድ ንኺነብሩ ፍቓድ ዝረኸቡ ሰባት፡ ሕክምና ስኒ ኪግበረሎም እንተደልዮም ወጻኢታት ሕክምና ስኒ ከም ዚሽፈነሎም ዜርኢ መረጋገጺ (ናይ ዋሕስ ጠለብ) ወረቐት ኬቕርቡ ይግበኦም። እዚ ወረቐት እዚ ኸኣ ካብ ዝምልከቶ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኪሕተት ይከኣል። ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን፡ ሓኪም ስኒ ብዘይክፍሊት ጸረ ቃንዛ ሕክምና ኪገብር ይኽእል እዩ።

Related links: