Living in Switzerland – Information and counselling online  

ደረጃ ምውህሃድን ውሳነታት ብዛዕባ መሰል ወጻእተኛታትን

ንምውህሃድ ድልዉ ምዃንን ደረጃ ምውህሃድን፡ ኣብ እዋን ውሳነ ብዛዕባ መሰል ወጻእተኛታት ዝግበረሉ ግዜ ኣብ ግምት ይኣትዉ እዮም።

ካብ ፈደራላዊ ሕጊ ንወጻእተኛታት (LEtr)

ኣቐዲምካ መንበሪ ፍቓድ C ምሃብ ብዓቢኡ ኣብቲ ሓደ ወልቀ ሰብ ዘርኣዮ ደረጃ ምውህሃድ እዩ ዝምርኮስ (Art. 34. abs. 4 LEtr) ።   
ሰበ ስልጣናት፡ ንጉዳይ ምስጓግ ወይ ከኣ ንሓደ ሰብ ናብ ስዊዘርላንድ ንኸይኣቱ ዝዓግት ውሳነ ኬሕልፉ ከለዉ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ዘርኣዮ ደረጃ ምውህሃድ ኣብ ግምት የእትዉ እዮም (Art. 96. LEtr) ።

ካብ ምውህሃድ ወጻእተኛታት ዝምልከት ዓንቀጽ

ሰበ ስልጣን፡ መንበሪ ፍቓድ B ወይ ከኣ ናይ ሓጺር እዋን ፍቓድ (L) ንምሃብን ንምንዋሕን ምስ ምፍራም ውዕል ምውህሃድ የተኣሳስርዎ እዮም (Art. 5 OIE)

ካብ ንምቕባል፡ ምብጻሕ፡ ምስራሕን ዝምልከት ዓንቀጽ (OASA)

ኣዚዩ ከቢድ ዝኾነ ጉዳይ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን፡ ናይ ሓጺር ግዜ መጽንሒ ፍቓድ ኪወሃብ ይከኣል እዩ (Art. 31. abs. 1 OASA)
 

ካብ ዜግነት ስዊዘርላንድ ምሓዝን ምጥፋእን ዝምልከት ፈደራላዊ ሕጊ (LN)

ምስ ሕብረተሰብ ስዊዘርላንድ ምውህሃድ፡ ሓደ ካብቲ ናይ ስዊዘርላንድ ዜግነት ንምርካብ ዝጥለብ ኣዚዩ ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት እዩ (Art. 15c LN) ።

Related links: