Living in Switzerland – Information and counselling online  

ናይ ምውህሃድ ስምምዕ

ሕጊ ስዊዘርላንድ ንወጻእተኛታት፡ ካብ 2000 ጀሚሩ ካንቶናት ስምምዓት ናይ ምውህሃድ ንኽገብራ ኣኽኢሉወን ወይ ኣፍቂዱለን እዩ። በዚ መሳርሒ ዕማም ተጠቒመን ብርክት ዝበላ ካንቶናት፡ ንዜጋታት ካልኦት ሃገራት ብዝተኽእለ መጠን ቀልጢፎም ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ንኺጅምሩ ምትብባዕ ዝገብራ ኪኾና ከሎዋ፡ ብተመሳሳሊ ከኣ ነዞም ደቂ ወጻኢ ብዛዕባ ክብርታትን መዐቀኒታትን ህይወት ኣብ ስዊዘርላንድ ርድኢት ኪህልዎም ይደልየኦም እየን።

በቲ ስምምዓት ቀንዲ ጠመተ ዚወሃቡ ሰባት፡
  • ብምጥርናፍ ስደራ ቤት ምኽንያት ካብ ካልእ ሃገራት ናብ ስዊዘርላንድ ዚኣትዉ ዜጋታት ደቂ ወጻኢ፡
  • ኣብ ስዊዘርላንድ ኣቐድም ኣቢሎም ኪነብሩ ዝጸንሑ፡ እንተኾነ፡ ብሰንኪ ባህርያቶም ወይ ካልእ ኩነታት ነቲ መሰል ፍቓድ መንበሪ ንኽስእንዎ ስግኣት ዘለዎም፡
  • ንመበቆል ቋንቋን ባህልን ሃገር ንምምሃር ወይ ኣብ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ንምውሳእ ካብ ወጻኢ ናብ ስዊዘርላንድ ንዝኣትዉ ሰባት። እዞም ሰባት እኹል ዝኾነ ኣፍልጦ ናይ ቋንቋ ዘይብሎም እንተ ኮይኖም (Level B1) ናይ ግድን ስምምዕ ምውህሃድ ኪፍጽሙ ይግበኦም (Art. 7 VIntA)።
እቶም ናይ ምውህሃድ ስምምዓት ብውልቂ ደረጃ ዚቖሙ ንኩነታት ህይወት ናይ እቶም ዚፍርሙ ሰባት ኣብ ግምት ዘእተዉ እዮም።
ኣስተውዕል
ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወይ ማሕበር ስምምዕ ናጻ ንግዲ ኤውሮጳን ንዚመጹ፡ ካብታ ስድራ ቤት ሓደ ስዊዛዊ ምስ ዝኸውን ወይ ከኣ መንበሪ ፍቓድ C ዘለዎ ሰብ ምስ ዚኸውን ስምምዓት ምውህሃድ ንምግባር ሕጋዊ መሰረት የሎን። 
 

ከምጽኦ ዝኽእል ውጽኢት

 
ካብ ወጻኢ ሃገር መጺኡ ቅልጡፍ ዝኾነ ምውህሃድ ዘርኣየ ሰብ፡ ከም ሞሳ፡ መንበሪ ፍቓድ C ቅድሚ እዋኑ ኪወሃብ ይኽእል፡ ማለት ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ጥራይ።
 
ብተመሳሳሊ፡ ምንዋሕ መንበሪ ፍቓድ B ንምውሳን ብስምምዓት ምውህሃድ ዝጥለቡ ኩነታት ብዝግባእ ምፍጻሞምን ዘይምፍጻሞምን ወረቐት ቅድሚ ምሕዳሱ ኣብ ግምት ይኣትዉ እዮም።

ኣብዚ ዓምዲ: ካንቶናዊ ትግባረታት