Living in Switzerland – Information and counselling online  

ካንቶናትን ኮምዩናትን

ኣብ ኩለን ካንቶናትን ኩለን ኣገደስቲ ከተማታትን፡ እቲ ናይ ምውህሃድ ልኡኽ፡ ኣብ ናይ ህዝባውያን ምምሕዳራት ንጥፈታት ምውህሃድ ይሰርሕ። ቤት ጽሕፈታት ህዝባውንያ ምውህሃድ፡ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልገሎታት፡ ኣብ ናይ ኢሚግረሽን ፖሊስ፡ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ወይ ከኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ባህሊ ውሽጢ ተሓዊሶም ይርከቡ። ብምኽንያት ፈደራላዊ ስርዓት ስዊዘርላንድ፡ ተልእኾን ንጥፈታትን ናይ እተፈላለየ ናይ ምውህሃድ ኣገልግሎታት ብብዙሕ ይፈላለ እዩ።

ዕማም ምውህሃድ፡ ብመጀመርያ ደረጃ ነተን ቅድሚ ሕጂ ዝጸንሓ ትካላት ከም ቤት ትምህርታት፡ ትካላት ስልጠና፡ ኣገልግሎት ጥዕናን ንኻልኦት ኣብ ካንቶንን ኮምዩንን ብንጥፈት ዝሳተፋ ኣካላትን እዩ ዚውከል። ንስደተኛታት ዚዓለመ ፍሉይ መደባት ስሕት ኢልካ ጥራይ እዩ ዝውደብ።
ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡
  • ወኪላት ምውህሃድ ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣመልኪቶም ንናይ ምምሕዳርን ፖለቲካን ሰበ ስልጣን ምኽሪ ይልግሱ፡
  • ንመካየዲ ፕሮጀክት ምውህሃድ ዚውዕል ገንዘብ የመሓድሩ፡
  • ንስደተኛታት ጠቓሚ ዝኾነ መሰረታዊ ሓበሬታት የዳልዉ።
 
 

ኣብዚ ዓምዲ: Uri, Lucerne, Zug, St. Gallen, Argovie, Vaud, Genève, Valais, Fribourg, Jura, Neuchâtel, Zurich , Schaffhouse, Thurgovie, Les Grisons, Schwyz, Nidwald, Obwald, Glaris, Soleure, Bâle, Appenzell Innerrhoden, Appenzell Ausserrhoden, Bâle Ville, themen/integration/kantone-und-gemeinden/kanton-tessin, themen/integration/kantone-und-gemeinden/kanton-bern

Related links: