Living in Switzerland – Information and counselling online  

እተበላሸወ ኣቕሓ

ንዝገዛእካዮ ኣቕሓ ኩሉ ቐልጢፍካ ምቝጽጻር ግበረሉን ንኽርከብ ዝኽእል ብልሽትውን ብቕጽበት ነቲ ዝሸጠልካ ኣካል ሓብር።

ነቲ ንብረት ናብ መኽዘን ውሰዶ ወይ ነቲ ብልሽት ብዝርዝር ዝገልጽ ናይ ካሕሳ ደብዳቤ ብሓደራ ልኣኽ። ምስቲ ምምሕዳር ንምዝራራብ ኣይትሰከፍ።

እቲ ሸያጢ፡ ንጉዳይ እተበላሸወ ንብረት ብዕቱብ ይምልስ ጥራይ ከይኮነስ፡ ኣብ ግዜ ዕድጊ ንእትገዝኦ ኣቕሓ ጽሬቱ ዝተሓለወ ንምቕራብ ንኸም ደረጃታት ድምጺ፡ ምህላኽ ማይ ወይ ጸዓት ቃል ይኣትወልካ እዩ።  ኣብ ግዜ ዕድጊ ብንጹር ዝተጻሕፈ ወረቐት ውሕስነት ክወሃበካ ሕተት።

ቅሬታኻ ንኸተስምዕ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኣለካ

ድሕሪ ዕድጊ ምግባርካ ወይ ንብረት ምቕባል ቀልጢፍካ ቀሬታኻ እንተ ዘይገሊጽካ፡ ብመሰረት ሕጊ ነቲ ዓይነት ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ከም ዝተቐበልካዮ እዩ ዝቝጸር።  ስለዚ ኸኣ ካሕሳ ንምርካብ ዘለካ መሰል  ብዘይካ ንምስ ግዜ ዝገሃድ ብልሽት ትስእን ማለት እዩ።

 ስዉር ብልሽት እንተ ኣጋጢሙ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ደሕሪ ዕለት ዕድጊ ክትከስስ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር ልክዕ ነቲ ብልሽት ምስ ኣስተብሃልካ ከተፍልጥ ትግደድ ኢኻ።

 እቲ ዝተሸጠልካ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ውሕስነት ዝህብ እንተ ኾይኑ፤ ኣብቲ ናይ ውሕነት ግዜ ካሕሳ ንኽትሓትት መሰል ኣለካ።

ኣስተውዕል!

ኣገባብ ናይ ውሕስነት ኣብ ናይ ሓራጅ ንብረትውን ብተመሳሳሊ እዩ ዝሰርሕ እንተ ደኣ ሸያጣይ ብግልጺ  ኬውጽኦ እንተ ዘይደልዩ።