Living in Switzerland – Information and counselling online  

ማሕበረ ኮም ኣለቪ

ካብ 40000 ክሳብ 50000 ዝኣኽሉ ኣለቪ፡ መብዛሕቲኦም መበቆል ቱርኪ ዘለዎም ኣብ ስዊዘርላንድ ይነብሩ። እቲ ፈላሚ ናይ ስዊዝ ማሕበር ኣለቪ ኣብ 1992 ኣብ ባዝል እዩ ተተኺሉ። እቶም መስረቲ ኣባላት፡ ኣለቪነት ከም ሓደ ኮማዊ እስላማዊ ባህሊ ከምዝኾነ እዮም ተረዲኦም። ይኹን'ምበር ዋላ'ኳ እስላማዊ ባእታት ዘለዎ እንተኾነ፡ ኣብቲ መጀመርያ ክጽነስ ከሎ ግና፡ ክርስትያናዊ ጽላዋ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ኣልቪነት፡ ብሰዓብቱ ብእተፈላለየ መገዲ እዩ ዚግለጽ። ገለ ገለ፡ ኣልቪነት ከም ፍልስፍና ጌሮም ይርእዩዎ፡ ካልኦት ከኣ ናይ ኣነባብራ ህይወት ወይ ከኣ ኣወዳድባ ሕብረተሰብ ከም ዝኾነ ይገልጽዎ፡ ካልኦት ከኣ እቲ ሓቀኛ ምስልምና ከም ዝኾነ ይኣምኑ፡፡ ሎሚ ገለ ክፋል ኣላቪ ጥራይ እዮም ኣስላም ምዃኖም ዝግምቱ። ኣብ ስዊዘርላንድ 14 ዝኾና ናጻ ናይ ኣካባቢ ማሕበረኮም ኣለቪ ኣለዋ። 11 ካብዚኤን ኣብ ትሕቲ ጽላል ውድብ ኣለቪ እተጠርነፋ እየን።

Related links: