Living in Switzerland – Information and counselling online  

ኣብያተ ክርስትያናት  

ክልተ ሲሶ ካብ ህዝቢ ስዊዘርላንድ ተኸታሊ እምነት ክርስትና እዩ። ፍርቆም ክርስትያናት ኣብ ወጻኢ እተወልዱ እዮም።

ናይ ኣከባቢ ቤተ ክርስትያን ወይ ሃይማኖታዊ ማሕበረ ኮም ኩሉ ግዜ ንወጻእተኛታት ምስ ስዊዛውያን መጀመርያ ንኽራኸቡ ትገብር ኮይና ምስ ሕብረተሰብ ስዊዘርላንድ ንኽወሃሃዱ ኸኣ ፍሉይ ኣጋጣሚ ትህብ እያ። እዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ከኣ ኣብያተ ክርስትያናት ስዊዘርላንድ ብዘይሓደ ነገር ንወጻእተኛታት ክፉታት ምዃነን ስለ ዝፍለጣ እዩ።  
ብዙሓት ክርስትያን ስደተኛታት ኣብ ናይ ሓደ ቤተ ክርስትያንን ናይ ኣከባቢኦም ማሕበረ ኮምን ብርክት ዝበለ ንጥፈታት  ዚገብሩ እኳ እንተኾኑ፡ ግን ዋላ ድሕሪ ብዙሕ ናይ ስደት ዓመታትውን  እንተኾነ ኩሉ ግዜ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ንምግላጽ ዚጥቀምሉ እተመርጸ መገዲ ናይ ኣደ ቋንቋ እዩ።
እንተኾነ፡ ከም ኣካል ናይ ሃገር ቤተ ክርስትያን፡ ብኻልእ ቋንቋታት ሃይማኖታዊ ኣገልግሎታት፡ ትምህርቲ ሃይማኖት ብቛንቋ ስደተኛታት፡ ናይ ቤተ ክርስትያን ንጥፈታት፡ ፍሉይ ናይ ቤተ ክርስትያን ዕድላትን ብመሰረት መበቆል ናይቶም ሰባት ከኣ ፍሉይ ማሕበራዊ ዕድላት ኣለው። ብተወሳኺ፡ ናይ ስደተኛታት ማሕበረ ኮማት ንብዙሓት ናይ ስደተኛታት ኣብያተ ክርስትያናት፡ መብዛሕቲኤን ወንጌላውያን ዝኾና፡ ህይወት ከም ዝህልወን ጌረን እየን።
 

ኣብዚ ዓምዲ: ምትሕብባር ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስትያናት, ናጻ ኣብያተ ክርስትያናት , ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን, ወንጌላዊ ተሃድሶ ቤተ ክርስትያን, ካቶሊክ-ክርስትያን, ኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ

Related links: