Living in Switzerland – Information and counselling online  

ማሕበረ ኮም እምነት ምስልምና

ሎሚ ኣስታት 400000 ዝኾኑ እስላም ኣብ ስዊዘርላንድ ይነብሩ ኣለዉ። ካብዚኦም 15% ጥራይ እዮም ብመሰረት እቲ እምነት ዚነብሩ።

56% ካብ ምስላና ስዊዘርላንድ መበቆሎም ካብ ባልካን እዩ፡ 20% ከኣ ካብ ቱርኪ እዮም። 75% ተኸተልቲ እምነት ሱና እዮም። ብተመሳሳሊ መብዛሕቲኤን ትካላት ምስልምና ስዊዘርላንድ ሱና ኮይነን ንባህልን ስነ ቋንቋ ህዝባታት መበቆል ኣልባንያ፡ ቦዝኒያ ሀርዘጎቪና፡ ማሰዶንያ ወይ ድማ ቱርኪ ንምምላእ ዝቖማ እየን።
ብርግጽ፡ ኣብ መጀመርያ ኪረኣ ከሎ ናይ ስዊዘርላንድ ኢስላም እተጠርነፉ ሓደ ዓይነት ጉጅለታት እዮም ዚመስሉ። ይኹን'ምበር፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዚነብሩ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና፡ብዙሕ ቋንቋታት ካብ ዚዝረበለን፡ እተፈላለየ መበቆል ባህልታትን ሕብረተሰብ ዝውንና ካብ ልዕሊ 100 ዝኾና ሃገራት ዝመጹ እዮም። መብዛሕቲኤን መሳጊድ ንኣመንቲ ክፉታት እየን። እንተኾነ፡ ብዙሓት ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ኣምልኾኦም ብናይ መበቆል ቋንቋ ኪግብርዎ ኣድላዪ ኮይኑ ይስመዖም።

 ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል እተጠፍነፋ ውድባት

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት ማሕበረ ኮም ምስልምናን መሳጊድን ረብሓኦም ኣብ ቅድሚ ህዝብን ሰብ መዝን ንምውካል ምእንታን ኬኽእሎም ኣብ ሓደ ጽላል እተጠርነፋ ውድባት ኣቚሞም እዮም። ኣብዚ እዋን ናይ ስዊዘርላንድ ፈደረሽን ውድባት ኢስላም (FOIS) ኣብ ትሕቲኡ 13 ዞባውያን ውድባትን 171 ኣብ ምሉእ ስዊዘርላንድ ዝርከባ መሳጊድን ሓቝፉ ይርከብ። ተወሳኺ፡ ናይ በርን እሳላማዊ ማሕበረ ኮምን መሳጊድን ሓንቲ ንእስ ዝብለት ውድብ ብ KIOS (Koordination der Islamischen Organisationen der Schweiz) እትፍለጥ ኣላቶ።

ኣኽራሪ ዘይኮነ መሰረታዊ ውድብ

ኣብ 2009 ናብ እምነት ምስልምና ዝቐየሩ ስዊዛውያን እስላማዊ ማእከላይ ባይቶ መስሪቶም። እዚ ነተን ናይ ስዊዘርላንድ መሰረታውያን ውድባት ምስልምና ዚውክል ኮይኑ፡ ነቲ ሓደ ሓደ እዋን ብኣኽረርቲ ኢስላም ዚቐርብ ብገለ መንጽር ደረጃታት ስዊዝ ይድግፍ። እቶም ንጡፋት ዝኾኑ ኣባላት ጥራይ እዮም ውሳነ ኣብ ምሃብ ኪሳተፉ ዚኽእሉ። ሰባት ብሓለፍቲ እቲ ውድብ ፍሉይ ብዝኾነ መስርሕ ማለት ንካሪክለም ቫታን ናይ መተባብዒ ደብዳቤን ምርኵስ ብምግባር እዮም ዚምረጹ። ኩሉ ንውጥን ማእከላይ ባይቶ ዚድግፍ ወልቀ ሰብ፡ ኣብ ዓመት 50 ፍራንክ ብምኽፋል ናይ ምምራጽ መሰል ዘይብሉ ዘይንጡፍ ኣባል ኪኾውን ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ዓምዲ: መሳጊድን ናይ ጸሎት ኣዳራሻትን , ሞትን ቀብርን, ትምህርቲ እስላማዊ ሃይማኖት

Related links: