Living in Switzerland – Information and counselling online  

ማሕበረ ኮም ኣይሁድ

ኣብዚ እዋን እዚ ኣስታት 17000 ዝኾኑ ኣይሁድ ኣብ ስዊዘርላንድ ይነብሩ ኣለዉ። መብዛሕቲኦም ናይ ስዊዘርላንድ ዜግነት ኣለዎም። ኣብ ካንቶናት ባዝል ቪል፡ በርን፡ ፍሪቡርግ፡ ሳንጋለንን ዙሪክን፡ ማሕበረ ኮም ኣይሁድ ብሕጊ (public Law) ተፈላጥነት ዝረኸባ ስለ ዝኾና ምስ ናይዛ ሃገር ቤተ ክርስትያናት ማዕረ መሰላት ኣለወን። 

ኣብ ስዊዘርላንድ 24 ዝኾና ማሕበረ ኮማት ኣለዋ። 17 ካብዚኤን ኣባላት ፈደረሽን ስዊዝ ናይ ማሕበረ ኮም እስራኤላውያን (FSCI) እየን። ናጻውያን ማሕበረ ኮማት ኣብ ትሕቲ " መድረኽ ናጻውያን ኣይሁድ ናይ ስዊዘርላንድ" (PJLS) እተጠርነፋ እየን። 
ከተማታት ባዝል፡ በርን፡ ጀነቫ፡ ሎዛንን ዙሪክን እተን ዝዓበያ ኣገደስቲ ማእከላት ኣብ ሃይማኖታዊ ህይወት ኣይሁድ እየን።
ኣብ ብዝል፡ ጀነቫ፡ ሎዛንን ዙሪክን ቤት ትምህርቲ ኣይሁድ ኣለዋ።
ኣብ ስዊዘርላንድ 28 ናይ ኣይሁድ ናይ መቓብር ቦታታት ኣለዋ። 

 

Related links: