Living in Switzerland – Information and counselling online  

ግብሪ ቤተ ክርስትያን

ኣብ 21 ካንቶናት፡ እተን መንግስታዊ ኣፍልጦ ዘለወን ክርስትያናት ካብ ሰዓብተን ግብሪ ይወስዳ እየን። ብዘይካ ካንቶን ባዝል ቪል (ከተማ) እተን ካልኦት ካንቶናት ግብሪ ይእክባ እየን። ናይ ቤተ ክርስትያን ግብሪ ልክዕ ከም ናይ ህዝባዊ ግብርታት ብመንግስቲ ንኽዋጻእ ይግበር እዩ።

ካንቶናት ኒውሻተልን ጀነቫን ዝኾነት ሃይማኖታዊት ማሕበረ ኮም ኣፍልጦ ህዝባዊ ሕጊ ዝረኸበት ስለዘየላ፡ ብመትከል ዝኾነ ግብሪ ቤተ ክርስትያን ኣይዋጻእን እዩ። ኣብ 2001 ካንቶን ኒውሻተል ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፡ ወንጌላዊ ተሃድሶን ካቶሊክ-ክርስትያንን፡ ኣመንቲ ብድሌቶም ንቤተ ክርስትያን ንኼዋጽኡ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። እንተኾነ እቲ ናይ ካንቶን ምምሕዳር መን ክንደይ ከምዝሃበ ነተን ሰለስተ ክርስትያናት የፍልጠን እዩ። ንቤተ ክርስትያናት ዚኾውን ገንዘብ ንምውጻእ ዝወጽእ ገንዘብ ካንቶን ኒውሻተል እያ ትሽከሞ።
ኣብ ካንቶናት ቮ፡ ተቺኖን ቫሌን ንቤተ ክርስትያን ዚዋጻእ ግብሪ የሎን። ኣብ ቫሌ ፍልይ ዝበለ እዩ፡ ናይ ኮሚን ፖለቲካን ቤተ ክርስትያንን ሓደ ባእታ ጥራይ እየን ዝቝማ። ወጻኢታት ናይ ቤተ ክርስትያን ካብ ናይ ኮምዩን ባጀት እዩ ዚምወል።

ግብሪ ቤተ ክርስትያን ናይ ሕጋውያን  ኣካላት

ኣብ ካንቶናት በርን፡ ባዝል ካምፓኝ፡ ኣፐንዘል ሮድ ኢንተሪየር፡ ፍሪቡርግ፡ ግላሪስ፡ ግሪዞን፡ ጁራ፡ ሉዘርን፡ ኒድቫልድ፡ ሽቫይዝ፡ ሶለር፡ ሳንጋለን፡ ቱርጎቪ፡ ኡሪ፡ ዙግን ዙሪክን፡ ብልዕሊ እቶም ኣመንቲ፡ ትካላትውን ብተመሳሳሊ ናይ ቤተ ክርስትያን ግብሪ ክከፍላ ይግበአን እዩ። እዘን ሕጋውያን ኣካላት ናይ ሓደ ውሱን ሃይማኖታዊ ማሕበረ ኮም ኣባላት ስለዘይኮና፡ እቲ ካብኤን ዝተረኽበ መጠን ገንዘብ ናብተን ብህዝባዊ ሕጊ ኣፍልጦ ዝረኸባ ሃይማኖታውያን ማሕበረ ኮማት ምስ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ተዛሚዱ ናብ ዘለወን ቍጽሪ ኣመንቲ ይምቀል።
ካብ ሕጋውያን ኣካላት ንግብሪ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝካየደለን ካንቶናት እቲ ካብዘን ኣካላት ዚርከብ ገንዘብ ካብ 25 ክሳብ 40 ሚእታዊ ዚኣክል ግብሪ ናይ መንግስታዊት ቤተ ክርስትያን ይበጽሕ።
ኣብ ካንቶን ኒውሻተል፡ ካብ ትካላት ብወለንታት መሰረት እዩ "ምስላዕ ግብሪ" ዚግበር።
በቲ ሓደ መዳይ፡ ካምፓኒታት ንዘይብጸሐን ሃይማኖታውያን ማሕበረ ኮማት ግብሪ ምኽፋለን፡ ከም ውልቀ ሰብ ከኣ ናይ ግብሪ ረብሓ ዘይረኽባሉ ወይ ከኣ ክስሕባሉ ዘይምኽኣለን ዘካትዕ ጉዳይ እዩ። በቲ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ ሃይማኖታውያን ማሕበረ ኮማት እቲ ካብ ሕጋውያን ኣካላት ዚእከብ ግብሪ ኣብ ማሕበራዊ ዕላማታት ብምውዓል  ኣብ ምፍጻም ሓፈሻዊ ሕብረተሰብኣዊ ዕዮ ግደ ከምዘለዎ ይምልሳ።