Living in Switzerland – Information and counselling online  

ናጽነት እምነት

ውልቃዊ ናጽነት እምነት ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ሕጊ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ናይ ፈደራል ቅዋም ዝሰፈረን ልክዕ ከምቲ ኣድልዎ ብሰንኪ ኣባልነት ሓደ እምነት ወይ ፍልስፍና ከይመጽእ ዚዓግት ሕጊ፡ ማዕረ ሚዛን ኣለዎ። ከም ኩሎም ንናጽነት ዝምልከቱ መሰላት፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ  ግዝኣተ ሕጊ ዘለወን ዲሞክራሳውያን ሃገራት ብሓፈሻዊ መገዲ እተጸንበረ ስለ ዝኾነ ምናልባት ኪድረት ይኽእል እዩ።

ብመሰረት ዓንቀጽ 15 ቅዋም ፈደራል፡ "ኩሉ ሰብ ብናጻ ሃይምኖት ኪመርጽ ከምኡ ኸኣ ንፍልስፍናዊ እምነታቱ ኪፈጥርን ብውልቁ ወይ ከኣ ብእኩብ ኬተግብሮን መሰል ኣለዎ።" ብተወሳኺ፡" ኩሉ ሰብ ምስ ሓደ ሃይማኖታዊ ማሕበረ ኮም ንኺጽንበር ወይ ኣባላ ኪኸውንን ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ኪከታተልን መሰል ኣለዎ።"
ኣስተውዕል!
ብተመሳሳሊ እዚ ማለት፡"ዝኾነ ሰብ ተገዲዱ ምስ ሓንቲ ሃይማኖታዊት ማሕበረ ኮም ኪጽንበር ወይ ከኣ ኣባል ኪኸውን፡ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ኪፍጽም ወይ ከኣ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ኪከታትል ኣይከኣልን እዩ።" ከምኡ ድማ ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ሓደ ሰብ ካብ ሓንቲ ሃይማኖታዊት ማሕበረ ኮም ኪወጽ ወይ ከኣ ሃይማኖት ኪቕይር ናጻ እዩ።
ዓንቀጽ 8 ናይ ፈደራል ቅዋም ኣትሪሩ ካብ ዜረጋግጾ ነገር፡ “ዝኾነ ሰብ ብሰንኪ መበቆሉ፡ ዓሌቱ፡ ጾታኡ፡ ዕድሜኡ፡ቋንቋኡ፡ ማሕበራዊ ኩነታቱ፡ ኣነባብራኡ፡ ሃይማኖታዊ፡ ፍልስፍናዊ ወይ ከኣ ፖለቲካዊ እምነቱ፡ ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ጉድለቱ፡ ዝኾነ ኣድልዎ ከወርዶ የብሉን።"

ምድራት ናጽነት ሃይማኖት

ናይ ሓደ ሰብ ናይ ውልቁ ውሽጣዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ምሉእ ብምሉእ ኪሕለወሉ ዝከኣል ኪኸውን ከሎ፡ መንግስቲ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ንኪድርት መሰል ኣለዎ እንተደኣ፡
  • ነዚ ዝምልከት ሓደ ንጹር ዝኾነ ሕጋዊ መሰናድኦ እንተሎ (ንኣብነት፡ፍቓድ ህንጻን ልምዓትን፡ ናይ ቤት ትምህርቲ ሕጊ፡ ሓላፍነት ስልጠና፡ ማዕረ ዝኾነ መለኪዒታት ወዘተ)
  • ናይ ህዝቢ ሕጋዊ ረብሓታት ዜረጋግጽ እንተኾይኑ (ንኣብነት፡ ምክልኻል ውሕስነት ህዝቢ፡ ሃይማኖታዊ ሰላም ንምዕቃብ ዚውሰድ ስጕምቲ) 
  • ንኻልኦት ንምሕላው ወይ ንምክልኻል እንተድልዩ።
መሰረት ንምድራት ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝምልከት ኣብ ናይ ፈደራል ቅዋም ዓንቀጽ 9፡ ኣብ ናይ ኤውሮጳ ስምምዕ መሰላት ደቂ ሰብ ዓንቀጽ 9፡ ከምኡ ኸኣ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ኣመልኪቱ ዝወጸ ሕጊ ሰፊሩ ይርከብ።
ምድራት ሃይማኖታዊ ናጽነት ኩሉ ግዜ ብብቑዕ ምኽንያታት ኪኸውን ኣለዎ።

Related links: