Living in Switzerland – Information and counselling online  

ትምህርቲ እስላማዊ ሃይማኖት

ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ንካቶሊካውያንን ፕሮተስታንትን መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ቤት ትምህርትታ ዝካየድ ኪኸውን ከሎ፡ ብዓይነትን ገንዘብን ከኣ ብግብሪ ክህነት እዩ ዝምወል። ተኸተልቲ ምስልምና ዝኾኑ ቆልዑ መብዛሕትኡ እዋን ናብ መሳጊድን ናይ ኣካባቢ ማሕበራት እዮም ዚለኣኹ።

ብዙሓት ኣስላም ወለዲ ብዛዕብ ንደቆም ዚቐርብ ጽሬት ሃይማኖታዊ ትምህርቲ የማርሩ። ማሕበራት እስላም ብወገነን ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ጻዕሪ ኪግበር ከም ዘለዎ ይዛረቡ፡ እንተኾነ፡ ንትምህርትን ንመማህራን ፍረ ጻማኦም ንምሃብ ዚሕግዝ ፋይናንሳዊ ጸጋታት ስለ ዚውሕዶም በዚ መገዲ የማርሩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ንመምህራን ሃይማኖታዊ ምስልምና ስልጠና ንምሃብ ዋላ ሓንቲ ተኽእሎታት የሎን። ኩሎም ሰባት ብመሰረት ደረጃታት ፐዳጎጂ ኤውሮጳ ስልጠና ኪወስዱ እንተደልዮም ኣብ ፈረንሳ ወይ ከኣ ኣብ ጀርመን ከካይድዎ ኣለዎም። Kölner Institute für Interreligiöse Pädagogik und Didaktik እተባህለ ትካል ኣብ ጀርመን፡ Institut Européen des Sciences Humaines Château Chinon እተባህለ ትካልን ንተገዳስነት ዘለዎም ካብ ስዊዘርላንድ ዚመጹ ናይ ርሑቕ ትምህርቲ ምስ ሰሚናራት ኣብ ቀዳመ ሰንበት የዳልዋ።
ይኹን'ምበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሓደ ሓሳብ ኣብ ስዊዘርላንድ ተበጋጊሱ። ኣብ ካንቶናት ሉዘርን፡ ሳንጋለንን ቱርጎቪን ከም መፈተኒ፡ ትምህርቲ ምስልምና ኣብ ህዝባውያን ቤት ትምህርታት ኪወሃብ ጀሚሩ።