Living in Switzerland – Information and counselling online  

ቤት ትምህርትን ሃይማኖትን

ብርግጽ እተፈላለያ ካንቶናት ነቲ ስርዓት ትምህርተን ብክርስትያናዊ ሰብኣውነት መሰረት እየን ሓንጺጸንኦ። ይኹን'እምበር፡ ህዝባውያን ቤት ትምህርታት ዝጥቀማሉ ናይ መምሃሪ ኣምርን ፔዳጎጂን ካብ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ናጻ ኪኾና ኣለወን። ናይ ግሊ ቤት ትምህርታት በዚ ምኽባር ካብ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ናጻ ምዃን ዚብል መትካል ኣይግደዳን እየን።

ቤት ትምህርቲ፡ ኮተቴ ቆልዑ ምስ መዓልታዊ ህይወት ስዊዘርላንድ ንኺወሃሃዱ ዚገብር ስርዓት እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ሃይማኖታዊ ትእዛዛት ፍልጠትን ስልጠናን ንምርካብ ዝዓግት ኪኸውን የብሉን። ይኹን'ምበር፡ መሰል ናጽነት ንምዕቃብ፡ ህይወት ቤት ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ምልክት ሃይማኖታዊ ምክእኣል ኪሰፍር ይኽእል እዩ።

ህዝባውያን በዓላት  

ኣብ ናይ ክርስትያን ህዝባውያን በዓላት ቤት ትምህርቲ ዕጹው እዩ። 
ኣብ መብዛሕትኤን ካንቶናት፡ ወለዲ ብዝጠለብዎ መሰረት ነቶም ኣብ ናይ ግዴታ ትምህርቲ ዘለዉ ክርስትያናዊ እምነት ዘይክተሉ ተማሃሮ ኣብ እዋን ዓበይቲ በዓላት ዕረፍቲ ይፍቀደሎም እዩ። ሓደ ሓደ እዋን ዝርዝር ግዴታዊ "ኣፍልጦ ዝረኸበ" ክርስትያናዊ ዘይኮነ በዓላት ኣሎ።
ለበዋ
ንናይ ክላስ መምህራን ተወከሱ። ኩሉ ግዜ ሓበሬታ ኬቕርብልኩም ይኽእሉ እዮም።
ኣስተውዕል
ተማሃሮ ነቲ ዝሓለፎም ትምህርቲ ባዕሎም ኪምልእዎ ይግበኦም፡፡
ኣብ ደረጃ ድሕረ ግዴታዊ ትምህርቲ፡ ተማሃሮ ባዕሎም ኪወስዱዎ ዘይደልዩ ትምህርቲ ኪሓቱ ይኽእሉ እዮም።

ካብ ትምህርታት ናይ ገለ ዓውደ ትምህርቲ ምክትታል ናጻ ምዃን

ብመሰረቱ ካብ ትምህርታት ናይ ገለ ዓውደ ትምህርቲ ናጻ ምዃን ኣይካኣልን እዩ።

ጂምናቲክን ምሕንባስን

ኣብ ናይ ጂምናቲክ ክላሳት፡ እቲ ትምህርቲ ንዝኾነ ሃይማኖታዊ ስምዒታት ኪጎድእ ብዘይክእል መገዲ ኪውጠን ከምዝግባእ ሰብ መዚ ንምምሕዳር ቤት ትምህርታትን መምህራንን ዚመኽሩዎ ጉዳይ እዩ። ብፍላይ ንኽልተ ጾታ በብይኖም ነብሶም ዚሕጸብሉ ክፍሊ ኪህሉን እቲ ማዕጾ ኸኣ ተሽጋጢ ኪኸውን ይግባእ። ብመትከል ንኹሉ ኣካላት ዝሽፍን ክዳን እንተጌሮም ተማሃሮ ብሓባር ኣብ ጂምናስትክን ምሕንባስን ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም፡፡

ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ጌሽካ ዝግበር ንጥፈታት 

ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ጌሽካ ዚግበር ንጥፈታት፡ ስፖርትን በበርእስቱ ዚቐርብ ሰሙናዊ ቅነን ኣካል ናይ ትምህርቲ ካሪክለም ኮይኑ ንኹሎም ተማሃሮ ግዴታዊ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምምህራን ነቲ ኣከባቢ ኬዳልውዎ ኣለዎም። መደቀስን መሕጸቢ ነብስን ብጾታ ንኣወዳትን ኣዋልድን በበይኑ ኪኸውን፡ ምኽባር እተፈላለዩ ሃይማኖታት ዘይበልዕዎ መግቢውን ኣካል ናይዚ እዩ።
 
ኣስተውዕል!
ወለዲ ጠለቦምን ምስኡ እተኣሳሰር ሓበሬታን ብኣግኡ ከሎ ንናይ ክፍሊ መምህር ኬመሓላልፉ ይግባእ።

ጨንፈር ትምህርቲ፡ ስነ ምግባርን ሃይማኖታን/ባህልን ሃይማኖታን  

ኣብዚ ጨንፈር፡ ንስነ ምግባር፡ ሞራልን ሓላፍነትን ዝምልከቱ ጉዳያት ብመንጽር ባህልን ሃይማኖትን ሓዊስካ ይቐርቡን ይዝተየሎምን። እዚ ትምህርቲ ኣካል ተልእኾ ስልጠና ናይ ቤት ትምህርቲ ኮይኑ ኩሎም ተማሃሮ ኪወስድዎ ይግደዱ እዮም።

ሃይማኖታዊ ትምህርቲ

ኣብ ናይ ሃይማኖት ክላሳት፡ ትሕዝቶን ግብርታት ናይታ ሃይማኖት ብንጹር ይመሓላለፍ። ንሓደ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ንምውሳድ ግዴታ የሎን ብደልየት እዩ። ኣብ መብዛሕቲኤን ካንቶናት፡ ድሕሪ ሰዓታት ግዴታዊ ትምህርቲ ናይ ክርስትና እምነት ትምህርቲ ኣብ ህዝባውያን ቤት ትምህርታት ይወሃብ።

ናይ ኣኸዳድና ስርዓት

ኣብ መብዛሕቲኤን ካንቶናት ተማሃሮ ኪኽተልዎ ዚግበኦም ፍሉይ ዝኾነ ናይ ኣኻዳድና ስርዓት የሎን። ክዳውንቲ ጥዑይን ንተማሃሮ ኣብ ትምህርቲ ንኽሳተፉ ወይ ከኣ ኣብ ምብህሃል ዝዕንቅጾም ኪኸውን የብሉን።

ናይ ኣመጋግባ ስርዓታት 

ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ወጹን ኣብ ናይ ሓባር መመገቢ ወይ ካፊተርያ፡ ክርስትያናት ዘይኮኑ ቆልዑ ተማሃሮ ብመሰረት ሃይማኖቶም ካብ ዘይበልዕዎ ዓይነት መግቢ ኪሕረሙ ይኽእሉ እዮም። ሎሚ ናይ ኣሕምልቲ መግቢ ኣብ ኩሉ መኣዲ ስዊዘርላንድ ዚርከብ እዩ። ናይ ሓሰማ ስጋ እንተሎ ብወግዒ እዩ ዚግለጽ።
ኣስተውዕሉ!
ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከትውን ጥርጥር እንተሎ፡ ወለዲ ምስ ናይ ክፍሊ መምህር ኪዘራረቡ ይግበኦም።