Living in Switzerland – Information and counselling online  

ሕቶ ኣንቆራ (ሰክት)

ብመሰረት ክኢላታት ዓውደ ሃይማኖት፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ካብ 100 ንላዕሊ ኣባላት ዚሓቖፋ ናይ ኣንቆራ (ሰክት) ቅርጺ ዘለወን ኣስታት 200 ዝኾና ሃይማኖታውን ፍልስፍናውን ማሕበረ ኮማት ኣለዋ። ልዕሊ 1000 ዝኾና ናእሽቱ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ኣለዋ።

ኣብዚ ብዛዕባ ኣንቆራ (ሰክት) ክንዛረብ ከሎና፡ ኣብ ባህሪ እተን ጕጅለታት ብፍላይ ምስ ካልእ ዘለን ዝምድናታት ማለት ሓላፊ ናይ ምዃን ድልየት፡ ስልጣን ንኽትሕዝ ምድላይ፡ ጸቕጢ ጕጅለ፡ ምጥፋእ ንቕሓት ናይ ውልቀ ሰብ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ራዕዲ ኣንጻር ጠለምትን ወቐስቲ ሰባትን ምውራድ መለለዩ ባህሪ ናይ ሓደ ጕጅለ ምእመናን (ሰክት)እዩ። እቲ ሽግር ብዓንዳ ርእሱ ካብቲ ክትድሕን ኢኻ ዝብል ተስፋ (ኩለን እምነታት ዝልለያሉ ባህሪ) ዝብገስ ኣይኮነን፡ ነገር ግን ኣብቲ ፍጹም ንምዃን ዝቐርብ ጠለብ እዩ።
ኣብ ስዊዘርላንድ ብዛዕባ ኣንቆራ (ሰክት) ዝምልከት ምኽሪ ዚህብ ሰፊሕ መርበብ ሓበሬታ ኣሎ።

Related links: