Living in Switzerland – Information and counselling online  

መንግስትን ሃይማኖትን

ምፍልላይ ሃይማኖትን መንግስትን ንናይ ግሊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ንምውሓስ ዜገልግል ቀንዲ መሰረት እዩ። ብደረጃ ፈደራል፡ ስዊዘርላንድ ከም ዓለማዊት ሃገር እያ ትፍለጥ። ኮንፈደረሽን ስዊዘርላንድ ምስ ዝኾነት ይኹን ግላዊት ሃይማኖትዊት ማሕበረ ኮም ትካላዊ ርክብ ኣይገብርን እዩ። ይኹን'እምበር፡ ንሰራዊት መንፈሳዊ ኣገልግሎት ብናይ ከባቢ ሃይማኖታዊ ማሕበረ ኮም ዝካየድን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን መሰል ዑቕባን ዝምልከት ምትሕብባር ሃይማኖታውያን ውድባትን ኣይሁድን እቲ እንኮ ፍሉይ መንግስቲ ዝገብሮ ርክብ እዩ። ነዚ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን ዝግበር ናይ ርክብ ኣገባብ ብካንቶናት እዩ ዝካየድ።

ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ዘሎ ርክብ ኣብ ስዊዘርላንድ ዓሚቝ መሰረት ዘለዎ እዩ። ኣብ እተፈላለያ ካንቶናት፡ ክሳብ ምምስራት ዘመናዊት ስዊዘርላንድ ኣብ 1848፡ ኣብ መንጎ ናይ ሃይማኖትን ፖለቲካን ሰበ ስልጣን ኣዝዩ ጥቡቕ ዝኾነ ዝምድና ነይሩ። ቤተ ክርስትያናት ካቶሊክን ተሃድሶ ወንግጌላውያንን ወግዓውያን ሃይማኖታት ናይ ብዙሓት ካንቶናት እየን ነይረን፡፡ ካንቶናት ጀነቫን ኒውሻተልን ጥራይ እየን ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን ምፍልላይ ዘለወን።
ክርስትያን ሃይማኖታት ኣብ ናይ ስዊዘርላንድ መስርሕ ዲሞክራሲያዊ ውሳነ ኣዝየን ንጡፍ ዝኾነ ተሳትፎ ይገብራ እየን። ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ጉዳይ ኢደን የእትዋን ኣብ ማሕበራዊ ወይ ሞራላዊ ዝኾነ መርገጺ ኣብ ምሓዝውን ይሳተፋ። ኣብ ጉዳይ ናጽነት እምነት ብዘለወን ናይ ገዛእ ርእሰን ተመኩሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምክእኣል ምስ ተኸተልቲ ናይ ካልኦት እምነታት ንኺህሉ ይነጥፋ ኣለዋ።


ብህዝባዊ ሕጊ (Public Law) ተፈላጥነት ዝረኸባ ሃይማኖታውያን ማሕበረ ኮማት

ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ዘሎ ርክብ፡ ኣፍልጦ ነተን ሃይማኖታውያን ማሕበረ ኮማት ብናይ ህዝባዊ ሕጊ ከም ኩባንያታት ዝረኣያ ኮይነን ናይ መንግስቲ ቤተ ክርስትያን ይበሃላ። 
ቤተ ክርስትያን ካቶሊክን ተሃድሶ ወንጌላውያንን ብዘይካ ኣብ ጀነቫን ኒውሻተልን ኣብ ምሉኡ ስዊዘርላንድ ብህዝባዊ ሕጊ ተፍላጥነት ኣለወን።
ኣብ ካንቶናት ዙሪክ፡ በርን፡ ሉዘርን፡ ሶለር፡ ባዝል ካምፓኝ፡ ባዝል ቪል፡ ሻፍሃውዘን፡ ሳንጋለንን ኣርጎቪን፡ ካቶሊክ-ክርስትያን ብናይ ህዝባዊ ሕጊ ተፈላጥነት ኣለዋ።
ኣብ ካንቶናት በርን፡ ፍሪቡርግ፡ ባዝል ቪልን ሳንጋለንን፡ ማሕበረ ኮም ኣይሁድ ናይ ህዝባዊ ሕጊ ደረጃ ተፈላጥነት ኣለዋ። 
ካንቶናት ዙርክ፡ በርን፡ ኦብቫልድ፡ ኒድቫልድ፡ ግላሪስ፡ ባል ካምፕኝ፡ ሻፍሃውዘን፡ ኣፐንዘል ሮድስ ኢንተርየር፡ ኣርጎቪ፡ ተቺኖ፡ ቫሌን ዡራን ካልኦት ሃይማኖታውያን ማሕበረ ኮማት ናይ ህዝባዊ ሕጊ ኣፍልጦ ክረኽባ ተኽእሎ ኣሎወን። ዋላ እኳ ቍጽሪ ኣብ ቁዋመን ኣፍልጦ ህዝባዊ ሕጊ ዝህባ ካንቶናት እንተወሰኸ፡ ብዘይካ ማሕበረ ኮማት ክርስትያንን ኣይሁድን ዋላ ሓንቲ ካልእ ኣፍልጦ ዝረኸበት የላን።

ምስ ኣፍልጦ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ መሰልን ግቡእን

ምስ ኣፍልጦ ህዝባዊ ሕጊ ተኣሳሲሮም ዚኸዱ እተፈላለዩ መሰላትን ግቡኣትን ኣለዉ። ናይ መንግስቲ ቤተ ክርስትያን ብዘይካ ግብሪ ምእካብ፡ ኣብ ናይ ህዝባዊ ትሕተ ቅርጺ (ቤት ትምህርታት፡ ሆስፒታላት፡ ቤት ማእሰርቲ ወዘተ) ብቐሊሉ ክትኣቱ ትኽእል እያ።
ብናይ ህዝባዊ ሕጊ ተፈላጥነት ምርካብ ብተመሳሳሊ ኣብ ንጹር ዝኾኑ ቅድመ ኹነታት ዝተኣሳሰሩ እዮም። ዲሞክራሲያዊ ዝኾነ ቅርጺ ኣወዳድባ፡ ምኽባር ንመትከላዊ ሕገ መንግስቲ፡ ንናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣፍልጦ ምሃብን ፋይናንሳዊ ግሉጽነት ምህላውን ዝጥለቡ እዮም።

ኣፍልጦ ዘይረኸባ ሃይማኖታውያን ማሕበረ ኮማት

ኩለን ኣፍልጦ ዘይረኸባ ሃይማኖታውያን ማሕበረ ኮማት፡ ማለት እስላማውያን ውድባት፡ ሂንዱስት፡ ቡድሂስት፡ ናጻ ክርስትያናት ወዘተ፡ ንናይ ግሊ ሕጊ እየን ዝግዛኣ። ብደረጃ ማሕበራት ወይ ትቛማት ክውደባ ኣለወን።
ካንቶናት ዙሪክን ባዝል ቪልን (ከተማ) ብዘይካ እቲ  ከም ናይ ኩባንያ ህዝባዊ ሕጊ ኣፍልጦ ምሃበን፡ ንፍሉያት ኣገደስቲ ሃይማኖታውያን ማሕበረ ኮማት ብቐሊሉ ወግዓዊ ኣፍልጦ ንኽህባ ይሓስባ ኣለዋ። በዚ መገዲ፡ ሃይማኖታውያን ማሕበረ ኮማት ብናይ ግሊ ሕጊ እተወደባ እየን፡ እንተኾነ፡ ምስ መንግስታውያን ትካላት ቀጻሊ ምልውዋጥ ርክብ ይገብራን ኣብ ክንዲ መንግስቲ ኮይነን ከኣ ፍሉይ ዕማማት ይፍጽማን እየን። ኣብ
 
 

ኣብዚ ዓምዲ: መሰረት ኣፍልጦ ህዝባዊ ሕጊ

Related links: