Living in Switzerland – Information and counselling online  

መሰረት ኣፍልጦ ህዝባዊ ሕጊ

ሎሚ ዋላ'ኳ ማሕበረ ኮም ክርስትያን ወይ ከኣ ኣይሁድ ጥራይ ብህዝባዊ ሕጊ ኣፍልጦ ዝረኸባ እንተኾና፡ ንናይ ኣፍልጦ ህዝባዊ ሕጊ ንምምዛን ዜገልግል ረቛሒ ግን ኣብ ሃይማኖታት ዚሰርሕ ሓቂ ኣይኮነን። እዘን ዳሕረዎት ብሰንኪ መንግስታዊ ገለልተኝነትን ንኽግምገማ ጠቕላላ ዚከኣል ኣይኮነን።

ማሕበራዊ ኣገዳስነት ናይ ሓንቲ ሃይማኖታዊት ማሕበረ ኮም ወሳኒ ረቛሒ ንናይ ኣፍልጦ ህዝባዊ ሕጊ እዩ። እዚ ዘጠቓልሎ ኸኣ፡
  • ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ትረኽቦ ሓፈሻዊ ደገፍ
  • ቍጽሪ ኣባላታ
  • ኣብ ምፍታሕ ማሕበራዊ ጸገማት ተርእዮ ምትሕብባር
ይኹን'ምበር ምስ መንግስቲ ዚግበር ምትሕግጋዛት ክውን ንምግባር፡ ሓደ ውሱን ዝኾነ ኣውዳድባ ኪህሉ ኣገዳሲ እዩ፡ ማለት ንጹር ዝኾነ ኣባልነት፡ ከምኡውን ምስ መንግስቲ ኪራኸቡ ዚኽእሉ ኣካላት ኪህልዉ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ናይ ስዊዘርላንድ ግዝኣተ ሕጊ፡ እተን ንመንግስታዊ ስልጣንን ንመሰረታዊ ቅዋማዊ መሰላት ብፍላይ ከኣ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝቕበላ ሃይማኖታውያን ማሕበረ ኮማት ጥራይ እየን ኣፍልጦ ህዝባዊ ሕጊ ክቕበላ ዝኽእላ።
ሎሚ ኣስታት 400000 ዝኾኑ እስላም ኣብ ስዊዘርላንድ ይነብሩ ኣለዉ፡ ኣብዚ እቲ ዚለዓል ሕቶ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት፡ ማሕበረ ኮም ምስልምና ኣፍልጦ ንኺረከብ ከም ቅድመ ኩነት ዝሕተት እኹል ዝኾነ ናይ ኣወዳድባ ደረጃ ምብጻሕ እዩ።
 

ኣብዚ ዓምዲ: መሰረት ኣፍልጦ ህዝባዊ ሕጊ