Living in Switzerland – Information and counselling online  

ብናይ ህዝቢ ትራንስፖርት ምጕዓዝ

ስዊዘርላንድ፡ ፍሉይን ሕሱርን ዝኾነ መትኒ ህዝባዊ መጓዓዝያ ትውንን ሃገር እያ። ባቡር፡ መካይንን ብሽክለታ እናሓውስካን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ፈደራል መገዲ ባቡር፡ ብመሰረት ስሩዕ ሰሌዳ ግዜ ገይሩ ናብ ካልኦት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያታት ከም ኣውቶቡስ፡ ትራም፡ ሜትሮን የብጻሓኹም እየን። እዚ ናይ ኣውቶቡሳት፡ ትራማትን ሜትሮን መደብ ንናይቲ ከባቢ ኩነታት ብዝሰማማዕ መገዲ ዝወጸ እዩ።
ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ብስሩዕ ዝጥቀሙ ሰባት ብርክት ዝበለ ረብሓታት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ዓመት 150 ፍራንክ ብምኽፋል ምሉእ ዓመት ፍርቂ ዋጋ እናኸፈሉ ኣብ ኩለን ባቡራት፡ ናይ ፖስታ መካይንን ካልኦት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያን ጌሮም ናብ መብዛሕቲኤን ከተማታትን ኣዋሰንቲ ከተማታትን ስዊዘርላንድ ኪንቀሳቐሱ ይኽእሉ እዮም።

ቆልዑ ኣብ ባቡር ምጓዓዝ

ትሕቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሜኦም ቆልዑ ምስ ዜሰንዩዎም ሰብ ብናጻ ኪጓዓዙ ይኽእሉ እዮም። ኣብ መንጎ ሽዱሽተን ዓሰርተ ሽዱሽተን ዓመት ዘለዉ ቆልዑ ኣብ ዓመት 30 ፍራንክ ብምኽፋል ብወለዶም ተሰንዮም ብናጻ ኪጓዓዙ ይኽእሉ። 30 ፍራንክ ኣብ ዓመት ንካርድ "ደቂ ደቂ ቆልዑ" ማለት« Petits-enfants » ብምኽፋል፡ ቆልዑ ብሓጎታቶም ተሰንዮም ብናጻ ኪጓዓዙ ይኽእሉ እዮም።
            ኣስተውዕል!
            ከይከፈልካ ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ምስፋር ብኸቢድ ዜቕጽዕ ጉዳይ እዩ።
ንናይ መገዲ ባቡር ህጹጽ ጉዳያት ዝምልከት 0800 117 117 ተጠቀሙ።

ኣብዚ ዓምዲ: መደብ ሰዓታት ጕዕዞ , መጓዓዚ ቲኬት, ናይ ሓዲድን ጽርግያን ጕዕዞ , ናይ ነዊሕ ግዜ ትኬትን (ኣቦንሞንት) ምጕዳል ዋጋን

Related links: